ዓለም ንጉዳይ ጆኖሳይድ ትግራይ ብሽሙ ክትፅውዖ ከምዝግባእ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሴናተር ባብ መነንደዝ ገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን እትወስዶም ዘላ እገዳታት ውሳነ ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጆባይደን፡ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ንምህዳእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሴናተር ባብ መነንደዝ ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናትን ትካላትን ኤርትራ ዝተወሰደ ቁጠባውን ፖሎቲካውን እገዳ እውን ኣካል እዚ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራት፡ ነቲ ቅልውላው ንምህዳእ እገዳ ከይንበር ሩስያን ቻይናን ዕንቅፋት ብምዃነን ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ደው ምባል ከምዘይተኽኣለ ሴናተር ባብ መነንደዝ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ፡ ዝተፈፀመ ገበን ኲናት ብዘየማትእ ምስ ኣብ ሱዳን ዳርፉር ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ሓደ ከምዝኾነ ምስ ሬድዮ ኤኒፒኣር ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ከምዝኾነን ካልኣይ ጊዜ ከይድገም እንተደኣደሊና ጆኖሳይድ ኢልና ብሽሙ ክንፅውዖ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ ጥምየት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ጅምላዊ ቅትለትን ምፅናት ዘርእን ከምመሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ብሓፈሻ ጆኖሳይ ዝተፈፀመ እኳ እንተኾነ ካብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ጀሚሩ ዓለም ብዝግባእ ኣቕልቦ ሂባ ብሽሙ ክትፅውዖ ዘይምኽኣላ ብዙሓት ይነቕፉ።

One thought on “ዓለም ንጉዳይ ጆኖሳይድ ትግራይ ብሽሙ ክትፅውዖ ከምዝግባእ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሴናተር ባብ መነንደዝ ገሊፁ።

  1. Ethiopian and eritrea gellty gensnsde Tigranys people in East Africa Tigray people life matters the most call gensnsde on Tigray reagin in amrara leadership groups together with eritrea amry crimes against humanity got No famiy because of USA and UN European union rest of the world it gensnsde Tigranys people all all crimes against humanity no need for our own country Tigray is history till gensnsde still gensnsde in Henry western Tigray city people 21 car fill of TiGRAiYs old and young people gensnsde the world is seeing no need slint

Comments are closed.