ህዝቢ ትግራይ፡ ረዲኤት ጥራይ ዘይኮነስ ቀረብ ነዳዲ ከምዘድልዮ ኮንግረስማን ብራንድ ሼርማን ፀዊዑ።

ኮንግረስማን ብራምድ ሸርማን፡ ካብ ሓላፊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ማዕኸን ዲፕሎማሲ ትሬሲ ኣንጆኮብሰንን ብዝሃብዎ መብርሂ ሕጉስ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ዝረኸብክዎ ውሽጣዊ ሓበሬታ ክገልፆ ዋላ እኳ እንተዘይደኹ፡ ትግራይ ሬዲኤት እኽሊ ጥራይ ዘይኮነስ እኹል ነዳዲ እውን ክትረክብ ፀዊዑ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝግበር ዘተ ሰላም ዝምስገን ኮይኑ ዝቕፅል ሰሙን በቲ ዝካየድ ዘተ ዝሐሸ ውሳነ ከምዝህሉ ተስፋ እገብር ክብል ኣብ ትዩተር ገፁ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣባል ኮንግረስ ሼርማን ኣብ ሱዳን ኣብ ስደት ዝርከቡ ልዕሊ 60 ሽሕ ተጋሩ፡ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖም ተላብዩ ኣሎ።

ከምኡ እውን ብትግራዋይነቶም ጥራሕ ብዘይሓደ ገበን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ተኣሲሮም ዘለዉ ተጋሩ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ፀዊዑ።

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ሸርማን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ጉዳይ ጆኖሳይድ ትግራይ ዛዕባ ብምግባር ኣብ ጎኒ ውፁዕ ህዝቢ ተሰሊፉ ድምፂ ዝኾነ ፈታዊ ትግራይ እዩ።