ሰራዊት ሱዳን ሕነ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተቐትሉ ሰራዊቱ ከምዝምልስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ፡ ዝማረኹዎም ኣባላት ሰራዊትን ሲቪላትን ሱዳን ብምቕታል ኣስከሬኖም ኣብ ጎደናታት ክዝርጋሕ ከምዝተገበረ ሱዳን ከሲሳ።

እቶም ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተቐትሉ ሸውዓተ ሱዳንውያን ወተሃደራት ምሩኻትን ሰላማውያን ሰባትን ከምዝኾነ ሱዳን ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢላ።

ብመሰረት ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ሲቪላትን ሱዳን ዝፈጸመቶ ግፍዒ ሱዳን ብዘይ ግብረመልሲ ከም ዘይትሓልፎ ተሓንያ ኣላ ክብል ኣቃሊሑ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዕላዊ መግለፂ የለን።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ዶብ ግጭት ከም ዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምእዋጃ ሱዳን ብወገና ናተይ ንእትብሎ ልሙዕ መሬት ከባቢ ኣል-ፋሻቃ ኣስታት 60 ኪሎ ሜትሮ ዘሊቓ ብምእታው ከምዝተቖፃፀረቶ ይፍለጥ።