ባህግና ብሰላማዊ ዘተ ነረጋግፀሉ ዕድል እንተሃልዩ ክንጥቀም ኢና ክብል ኣባል ማእኸላይ ኮማንድ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ዝተወጠነ ሰላማዊ ድርድር ንምትዕንቓፍ መሬት ትግራይ ጎቢጡ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ትንኮሳ የካይድ ምህላው ሓቢሩ።

ኣባል ማእኸላይ ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ህዝቢ ትግራይ ውሕስንኡ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሙ ዝድረኽ እኳ እንተኾነ ዕድላት ሰላማዊ መፍትሒ እንተሃልዮም ንምጥቃም መንግስቲ ትግራይ ድልው ከምዝኾነ ገሊፁ።

“ዘይተኣደነ ድሌት ተስፋሕፋሓይነት ብዘለዎም ጉጅለታት ኣብ ፅልኣት ዝተደረኸ ግንባር” ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘካየድዎ ወራር “ዜጋታትና ተጨፍጪፎም ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ በሪሱ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክፀንት ብዙሕ ተሰሪሑ” ክብል ተዛሪቡ።

ንጭቆና ዘይምብርከኽ ህዝቢ ትግራይ ብውሽጥን ደገን ተዋዲዱ ብዘካየዶ ቃልሲ ህልውንኡ ዘውሕሰሉ ድልዱል ሰራዊት ከምዝሃነፀ ጠቒሱ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ “ጨፍጫፍ ዜጋታት ዕለታዊ ተርእዮ ዝኾነሉ ኩነታት” ስለዘሎ “ዝኾነ ሕሊና ዘለዎ ወገን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብወተሃደራዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝኽእል የለን ኢሉ ክኣምን ዝግደደሉ ኩነታት ኣሎ” ኢሉ።

ክሳብ ሐዚ ቀጥታዊ ዝርርብ ከምዘይተኻየደ ዝተዛረበ ኣይተ ጌታቸው “ዘራኽቡና ውሽጣዊ ሜላታት ኮምዩኒኬሽን ከምዚ ዓይነት ድሌት ኣለዎም ኢሎም ዝነግሩና ሰባት ንሕና እውን ወድዓዊ ብዝኾነ መልክዑ ኩነታት እንትትንተን ብወተሃደራዊ ኣካይዳ ሽግራት ምፍታሕ ዘየዋፅእ ምዃኑ ክረአ ዝኽእለሉ ዕድል ክህሉ ከምዝኽእል እምነት ኣለና” ብምባል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን መንግስቲ ኣብይ ዝብሉ ቃላት ብተደጋጋሚ ዘልዐለ ኣባል ሴንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ጉዳያት ኣፋፍኖት ሰላማዊ ድርድር፣ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ጉዳይ መሰረታዊ ግልጋሎታት፣ ምዕራብ ትግራይን ሕርሻዊ ዓርሰ-ምርኮሳን ኣልዒሉ።

ኣፋፍኖት ሰላማዊ ድርድር
መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ እቲ ናብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዘምረሐ ኲናት ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብልዝብ ክፍታሕ ይግባእ ዝብል ድሌታት ብተደጋጋሚ ከምዘንፀባረቐ ኣይተ ጌታቸው ኣረዲኡ።

ኲናት ምውልዑ ስዒቡ “በረኻ እናሃለና ይኹን ደሓር እውን ኣብ ደብረብርሃን በፂሕና እናሃለና ዘቕረብናዮ ሓሳብ ስለዝነበረ” ንሰላማዊ መፍትሒ “ዕድል ካብ ምሃብ ዓዲ ንውዕለሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይኽእልን” ክብል ተዛሪቡ።

ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ብክልተኣዊ ድሌት ክስነ ከምዝግበኦ ዝጠቐሰ ኣይተ ጌታቸው ጉዳይ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ ልዝብ ክፈትሕ ዝተሰየመ ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ሸውዓተ ግዜ ከምዝተመላለሰ ጠቒሱ።

“ብተደጋጋሚ ነልዕለሉ ዝተወደበ ሓሳብ ሒዝካ ክትመፅእ ኣለካ” ዝብል ምላሽ ካብ መንግስቲ ትግራይ ከምዝተውሃቦ ብምሕባር “ሕብረት ኣፍሪካ ካብ መጀመርያ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ጀኖሳይድ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተዓዊቱ ኢሉ ንቀዳማይ ሚኒስቴር ኣቢይ [ኣሕመድ] ምስጋና ከቕርብ ኢሉ በብግዚኡ መግለፂ ዘውፅእ ዝነበረ ትካል እዩ” ክብል ከሲሱ።

ኣፍሪካዊ ጉዳይ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል “ብመትከል ደረጃ ንኣምነሉ” ዝበለ ኣይተ ጌታቸው “ግን እኒ ሙሳ ፋቂ መሐመት [ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪካ] ይትረፍ ዶ ሰላማዊ ፍታሕ ከናዲ ብናይ ባዕሎም መንገዲ ምንቅስቓስ ኦባሳንጆ ዳርጋ ከይሰምር ዝሰርሑ እዮም ኔሮም” ክብል ንስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ምውጋኖም ኣረዲኡ።

መንግስቲ ትግራይ ምስ ኦባሳንጆ ኣብ ዝነበረ ዝርርብ ድጋፍ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ብምሓዝ ናብ ጭቡጥ ተግባር ክኣቱ ከምዝግባእ ምግላፁ ጠቒሱ።

ምትእምማን ንምጥንኻር ብክልቲኡ ወገን ምሩኻት ክልቀቑ ፃዕሪ ዝገበረ ኦባሳንጆ መንግስቲ ትግራይ ዝለቐቖም ምሩኻት ሰራዊት ኢትዮጵያ “ብወገን መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ምሩኻት ኣይቅበልን” ብዝብል ከምዘይሰመረሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፁ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሌት ሰላማዊ ዝርርብ ምህላው ዘረጋግፅ ዝረአ ነገር እንተዘይሃልዩ “መልሲ ከይረኸብካ ደጊምካ [ናብ ትግራይ] ትመፀሉ ዕድል ክህሉ የብሉን ግዜ ናይ ምብኻን ድሌት የብልናን” ብምባል መንግስቲ ትግራይ ንኦባሳንጆ ምላሽ ምሃቡ ሓቢሩ።

ብመንግስቲ ኬንያ፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦትን ብሓባር ዘቕርብዎ “ሓሳብ ሰላማዊ ድርድር ስለዝነበረ ብወገንና ካብ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ክንወፅእ እውን ድሌት ስለዘይብልና ዝሓሸ ሰብ ክመፅእ ዝኽእለሉ ዕድል እንተልዩ ኩሎም ዓለምለኸ ተዋሳእቲ ድማ ዝከኣሎም ድጋፍ ዝገብርሉ ዕድል ኣብ ግምት ኣእቲና ዝሓሸ ዝበልናዮ ብዕላዊ ገሊፅና ኢና” ኢሉ።

ሐዚ ዝረአ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላማዊ ድርድር “ብዛዕባ እንታይ ኣጀንዳ ንዘራረብ ዝብል ኣጀንዳ ንምዝርራብ ኢና ክንራኸብ ድልዋት ኢና ንብል ዘለና” ብምባል እቲ ድርድር ዝካየደሉ መስርሕ ንምንፃር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ኣይተ ጌታቸው ወሲኹ “ከምስትራቴጂካዊ ምርጫ እተን ኩለን ባህግታትና ንምምላእ ዘኽእል ሰላማዊ ዕድል እንተሃልዩ ፀንቂቕና ክንጥቀም ኢና” ኮይኑ ግና ሰላም ከም ግዜ መግዝኢ መሳርሒ ክጥቀም ዝደሊ ኣካል እንተሃልዩ “ዕጥቅናን ምድላዋትናን ንፃት እውን ክዳኸም የብሉን” ክብል ጠቒሱ።

ንኽልቲኦም ኣካላት ዘዘራርቡ ዘለው ዲፕሎማሰኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ድሌት ከምዘለዎ እኳ እንተገለፁ ካብ ባህሪኡ ብምብጋስ ሙሉእ ብሙሉእ ንምትእምማን ዘኽእል ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ውሕስና ትግራይ ኣብ ውሽጣዊ ሓድነት ህዝባን ድልዱል ሰራዊታን ዝድረኽ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

ፃዕቒ እቲ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ይውስኽ ምህላው ዝሓበረ ኣይተ ጌታቸው “ህዝቢ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ከይተኮሰ ሙሉእ ድሌቱ ከረጋግፀሉ ዝኽእል ዕድል እንተልዩ ህልውናና መሰል ዓርሰ-ውሳነና ነፍሲወከፍ መሬት ግዝኣትና ብሰላማዊ መንገዲ ንምምላስ ዘኽእለና ዕድል ኣብ ዝህልወሉ ሙሉእ ዓቕምና ክንጥቀም ድልዋት ኢና” ክብል ኣረዲኡ።