ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝነብሮ ውክልና ኣልዒለ እየ ኢሉ።

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ባይቶና ተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ነቲ ውድብ ወኪሉ ኣብ ቤት ምክሪ ተወኸልቲ ህዝቢ ዝነበሮ ውክልና ከምዘልዓለ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ብ 30 ግንቦት 2014 ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ውክልና ነቲ ውድብ ብሕታዊ ብድምጺ ዝውክሎን ኣባል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝኾነን ኪዳነ ኣመነ ከምዘልዓለ ሓቢሩ።

ኪዳነ ኣመነ፡ ኣብ 2012 ኣብ ዝተገበረ ክልላዊ መርፃ ውድብ ባይቶና ሓደ ወንበር ብድምጺ: ሸውዓተ ወንበር ድማ ብዘይ ድምጺ ውክልና ዝረኸበ እንትኸውን ተወካሊ እቲ ውድብ ኮይኑ ክሰርሕ እውን ጸኒሑ እዩ።

ወድብ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና) ብ 22 ግንቦት 2014 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ንኪዳነ ኣመነ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድባዊ ሓላፍነት ከምዝኣገደ ዘፍለጠ እንትኸውን ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ዝነበሮ ውክልና እውን ምትዕርራይ ከምዝገብረን እቲ ቤት ምክሪ ቀጻሊ ጉባኤ ቅድሚ ምስላጡ መተካእታ ከምዝገብር ናብ ዜና ክፍሊ ያበለ ሚድያ ዝበጸሐና  ደብዳቤ የመላኽት።

ብካሊእ ወገን ድማ ቑፅፅር ኮሙሽን/ ተርጓሚ ሕጊ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና) ኣብ ልዕሊ ተጋዳለይ ኪዳነ ኣመነ ዝተወሰደ ስጉምቲ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።

ካብ ቁፅፅር ኮምሽን ብ 16 ሰነ 2014 ናብ ዜና ክፍሊ ያበለ ሚድያ ዝበጸሐ ደብዳቤ ከምዝሕብሮ ድማ ቁፅፅር ኮሙሽን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ሕጋዊነትን ኣግባብነትን ኣብ ልዕሊ ኪዳነ ኣመነ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብምምርማር ውሳነ ከምዘሕለፈ ኣፍሊጡ።

እቲ ቁፅፅር ኮሙሽን ስራሕ ፈጻሚ ባይቶና ኣብ ልዕሊ ኪዳነ ኣመነ ዝወሰዶ ካብ ዝኮነ ይኹን ሓላፍነት ናይ ምእጋድን ውክልና ናይ ምልዓል ስጉምትታት ብዝምልከት ኣርባዕተ ጭብጥታት ሒዘ መርሚረ እየ ዝብለ እንትኸውን ስራሕ ፈጻሚ ባይቶና ኣብ ልዕሊ ኪዳነ ኣመነ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብዝምልከት ናይ ምርኣይ ስልጣን ከምዘይብሉን ስራሕን ሓላፍነትን ፈጻሚት ስራሕ ኣብ ዝብል ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ እዚ ስልጣን ከምዘይተወሃቦ ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ብምጥቃስ ኣግባብነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኪዳነ ኣመነ ናይ ምኽልኻል መሰሉ ዘይተሓለወን ዓንቀጽ 11 ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ከምዘቅምጦ ናይ ምክልካል መሰል ዝጥሕስ ስጉምቲ ከምዝኮነ ዘብረሀ እንትኸውን እቶም ዝተቀመጡ ጌጋታት “ማዓዝ ከምዝተፈጸሙ፤ ከመይ ከምዝፈተጸሙን ምፍጻሞም ብኸመይ ከምዝተረጋገጸ ዘመላኽት ዝኮነ ጭብጢ ከምዘየለ” እቲ ናብ ያበለ ሚድያ ዝበጸሐ ውሳነ ቁፅፅር ኮሙሽን እቲ ውድብ ይሕብር።

እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ቁፅፅር ኮሙሽን ብሄራዊ ዓባይ ትግራይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኪዳነ ኣመነ ዝተወሰደ ስጉምቲ ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ተከቲሉ ዝተወሃበ ከምዘይኮነ ብምሕባር እቲ ውሳነ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ብኣቦ መንበር ቑፅፅር ኮሙሽን/ተርጓሚ ሕጊ እቲ ውድብ ተፈሪሙ (ማሕተም እቲ ከይዓረፈሉ) ናብ ያበለ ሚድያ ዝበጸ ደብዳቤ ኪዳነ ኣመነ ኣባል ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ክቅጽል ዝውስን እንትኸውን ውክልና ኪዳነ ኣመነ ከምዝተልዓለ ዝሕብር ደብዳቤ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይተከተለን ኣግባብነት ዘለዎ ከምዘይኾነ ኣፍሊጡ።

ያበለ ሚድያ ንኪዳነ ኣመነን ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ረኪቡ ንምዝርራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኪዳነ ኣመነን ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዕድል ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን ርኢቶም ተከታቲልና ከም እነቅርብ ክንሕብር ንፈትው።