ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ስርሑ ደው ዘበለ ነዳዲ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ስርዓት ኢትዮጵያ ንፖሎቲካዊ ሃልኪ ከምዝተጠቐመሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ሕፀረት ነዳዲ ንግዚኡ ስርሑ ደው ዘበለ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ንፖሎቲካዊ ሃልኪ ከምዝተጠቐመሉን ኣብታ ሃገር ዘሎ ህውከት ንምሽፋን ዝተጠቐመሉ ሜላ ከምዝኾነን ኣባል ሴንተራል ኮማንድ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣረዲኡ።

እቲ ስርዓት ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕፅዋን ክባን ነዳዲ ሓዊሱ ሰብኣዊ ረዲኢት ከይኣቱ ኮነ ኢሉ ከልኪሉ ከምዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጦ ወላ እኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና መንግስቲ ትግራይ በረራ ከምዝኸልከለ ገይሩ ከምዘቕረቦ ኣይተ ጌታቸው ኣረዲኡ።

እንተኾነ ግን እቲ መዕረፎ ነፈርቲ ንግዚኡ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ንግዚኡ ስራሕ ደው ከምዘለበለ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ፂሒፉ።

እዚ ድማ ውፂኢት ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣካል ዘንበሮ ዕፅዋን ክባን ከምዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ኣብሪሁ።

መንግስቲ ትግራይ ነዚ ዘጋጠመ ሕፅረት ነዳዲ ንምፍታሕ ምስ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ይዘራረብ ከምዘሎን እዚ ተፈቲሑ ኣብ ሓፂር ግዜ በረራ ስርሑ ከምዝጅምር ተስፋ ኣለኒ ክብል ሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባብታት ኦሮሚያ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላን ካልኦት ከባብታትን ህይወት ኣሽሓት ዝበልዕ ዘሎ ህውከት ኣንፈት ንምቕያር ዝዓለመ ፕሮፖጋንዳ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እቲ ሃገር ኣብ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩለመዳይ ቅውላው ጢሒላ ኣብ ዘሕዝን ደረጃ ወዲቓ ከምዘላ እውን ገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ ማዕኸናት መንግስቲ ኣቢሉ ህወሓት ሓገዝ ዝፀዓና ነፈርቲ ኣብ መቐለ ከይዓርፋ ከልኪሉ ዝብል ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ምስቲ ባዕሉ ኩለመዳይ ኣገልግሎት ከይኣቱ ድሕሪ ምኽልካሉ ዘጋጠመ ፀገም ዝገራጮ መልእኽቲ ምዝርግሑ መርኣያ ክፋእ እቲ ስርዓት ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።