ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኹናት ዘርኢ ምፅናት ኣብዚ ኹሉ ኸበባን ዕፅዋን ኮይኑ ከመይ ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቡ?

ኣብ ትግራይ ንዝበፅሐ የዕናዊ ኹናት ዘርኢ ምፅናት ንምዝንታውን ንምፅብፃብን ግደ ምስልታት ሳትላይት ዕውት ተራ ተፃዊቱ እዩ።

ኣብ ሃገረ ቤልጅዩም ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ዝከታተል ዝነበረ እምነት ነጋሽ፡ ፍርቂ ለይቲ መጋቢት 2021 እንትዝክር ብዛዕባ ስድራ ቤቱን ዓዱን ይጭነቕ ከም ዝነበረ የዘንቱ።

ብስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተገብረ ጽኑዕ ምቁራፅ መራኸብታት ካብ ዓለም ተቖሪፆም ንዝተረፈ ስድርኡን ዓዱን ንምርኣይ፣ ጎግል ማፕ ከፊቱ እንዳቕረበ ክዕዘብ ጀመረ።

ኮይኑ ግን ዝፈራረሱ ደብርታት ከምኡውን ካብ ሳትላይት ዝጠፍኡ ምስልታትን ክዕዘብ እንከሎ፣ እቲ ቅድሚ ሕዚ ሆቴል፣ ቢሮ ገበርቲ ሰናይ፣ ከምኡውን ላይብረሪ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ህንፃ ብነፋሪት ተወቒዑ እንትርኢ ክኣምን ከምዘይክኣለን፣ ስራሕ ንምስራሕ ከም ዝተፀገመን ይገልፅ።

ድሒሩ ድማ ምስቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጌንት ዝርከቡ መሳርሕቱ ሰብ ሞያ ጂኦግራፊ ኮይኑ ዝረኸቦ ውፅኢታት ብምሕታም፡ ብሳተላይት ዝተሳእለ ምስሊ ተጠቒሙ ነቲ ኲናት ዘስዓቦ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ሰኒዱ ናብ ዓለም ከቃልሕ ክኢሉ እዩ።.

እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ሳትላይት ስራሕቱ ምስ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ፀብፀብትን ከምኡውን ምስ ናብ ገለ ከባብታት ናይ ምኻድ ዕድል ዝነበሮም ጋዜጠኛታት ዓለምለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ተደሚሩ ኣብቲ ኩናት ዝርኣዩ ዝነበሩ ናይ ሓበሬታ ሓጓፋት ክመልእ ክኢሉ እዩ።

ኣብ ሕዳር 2020፡ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ዝኾነ ኣብይ፡ ኣብ ትግራይ ሃንደበታዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ከም ፀብፃብ ኣሜሪካ ኮነ ተባሂሉ ስርዓታዊ ዝኾነ ምፅናት ዓሌት ከካይዱ ኪኢሎም እዮም።

ነታ ኣብ ኣፍሪካ ብበዝሒ ህዝቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ሃገር እውን ኣብ ሓደጋ ዝሸመማ እንትኸውን፣ ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ሂወቶም ንክስእእኑ ሚልዮናት ተመዛቢሎም ኣብ ዓፆቦ ክወድቁ ገይሩ እዩ።

ሓቃውነትን ተረኽን ናይቲ ኩናት ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ዒላማ ብምግባር ማእሰርቲ፣ ምፍርራሕን ምዕንቃፍን ወፍሪ ብምግባር፡ ነቐፌታዊን ሓቃውነትን ዘረጋግፁ ተግባራት ሽፋን ክድርት ፈቲኑ እዩ።

ክልተ ጋዜጠኛታት ታይምስ ዲክላን ዋልሽን ፊንባር ኦ’ረይሊን ንትግራይ ኣትዮም ካብቲ ዞባ ዝፈስስ ጸብጻባት ብናጻ ከረጋግጹ ዋላ እኳ እንተኸኣሉ፡ ውሑዳት ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ግን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ — ወይ ድማ ከይተኣስሩ ዝወጹ ዳርጋ የለውን።

እቲ ስግኣታት ካብ ጋዜጠኛታት ሓሊፉ ንሰላማውያን ሰባት እውን ዘናሕሲ ኣይነበረን፡ በዚ ምኽንያት ድማ ብሞባይል ዝተቐድሐ ቪድዮታት ወይ ምስልታት ንምርካብ ዝድርት እዩ ነይሩ።

“ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ንዝርከቡ መሳርሕተይ ኣብ ትግራይ ተዘዋዊሮም ካብ ሳትላይት ንንርእዮ ዘለና ዘረጋግፁ እንተኾይኖም ክሓቶም ፈቲነ ነይረ” ይብል ኒሰን።

(ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሓጋይ ካብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ወጺኦም’ዮም።) ሕቶ ኒሰን ምምላእ ግን ብዘይተኣደነ ሎጂስቲካዊ ብድሆታት ተዓንቂፉ’ዩ።

“መጓዓዝያ ኣዝዩ ክቡር’ዩ” ኢሉ፡ ሕጽረት ተበጻሕነት ነዳዲ ብምጥቃስ። “ኩሉ ሰብ ኣብ ኩነት ብሂወት ናይምንባር ስለዘሎን ኣገልግሎት ባንክ ስለዘየለን ገንዘብ ክንሰደሎም ስለዘይንኽእልን ምስ ስድርኦም ክኾኑ ኣለዎም።” ይብል።

ኣብ ትግራይ ዝተገበሩ ገበን ዘርኢ ምፅናት ከም ብዓል ስኤንኤን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም እውን ምስሊ ሳትላይት ብምጥቃም ኣቃሊሖም እዮም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ንግዳዊ ትካል ክንሱ፣ ዓለምለኸ ሕጊ ኣቬሽን ብምጥሓስ ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብን ናብን የመላልስ ከምዝነበረ ከምኡውን መሳርሕታት ኣብ ናይ ፅዕነት ነፍርቱ የመላልስ ከምዝነበረ ሓቢሮም እዮም።

ማዕኸን ዜና ስኤንኤን ብተመሳሳሊ መንገዲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ መናእሰይ ከቢቦም ቪድዮ እንዳቐረፁን እንዳጨፍጨፍን ዘርኢ ምስሊ ድሕሪ ምቅልሑ ምስሊ ሳትላይት ብምጥቃም፣ ኣብ ማሕበረደጉ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ከምዝተፈፀመ ኣቃሊዖም እዮም።

እቲ ካብ ጥቅምቲ 2020 ዝጀመረ ኣዕናዊ ኩናት፣ ብኽልቲኦም ወገናት ድሕሪ ዝተወሰደ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ተፃብኦታት እኳ እንተሃድኡ ዘድልይ ሓገዝ ብዘዕግብ መልክዕ ክኣቱ ግን ኣይተርኣየን፣ መንግስቲ ትግራይ ንዝርርብ ቅሩብ ምዃኑ ብቑሉዕ ደብዳቤ ድሕሪ ምግላፁ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤትምኽሪ እታ ሃገር ቀሪቡ ኣንፈት ዝሃበሉ ዘተ ሰላም ሎሚ ደመቀ መኮነን ዝእክቦም ኣባላት ልዝብ ኣጣይሹ ኣሎ።

ኮይኑ ግና መንግስቲ ትግራይ ንፁር መርገፂ ዘይምሓዙን ስርዓት ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሓድነት ናብ ዋጋን ዕዳጋን ኣየእቱን ምባሉን ከምቲ መብዛሕቲኡ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎ ጉዳይ ትግራይ ብምስረታ ናፃ ሃገረ ትግራይ ዶ መልሲ ክረክብ ይኽእል ንዝብል ስግኣት ብዙሓት ተጋሩ ኮይኑ ኣሎ።