እንታይነቱ ዘይተፈለጠ ንብረት ዝፀዓነት መርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ባፅዕ ከምዝተርኣየት ተሓቢሩ።

እታ ሃረር ዝተብሃለት መርከብ ኢትዮጵያ፡ ካብ 15 ክሳብ 18 ሰነ 2022 እንታይነቱ ዘይተነፀረ ኣቕሑ ዝሓዘ ኮንቴይነራት ከምዘራገፈት ንፍልፍላት ብምጥቃስ ማዕኸን ዜና ሬድዮ ኤሬና ፀብፂባ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ እቲ እንታይነቱ ብንፁር ዘይተፈለጠ ንብረት ብመካይን ፅዕነት ናብ መዕረፎ ነፈርቲ ባፅዕን ኣስመራን ክግዕዝ ከምዝተገበረ ተፈሊጡ።

ፀኒሑ ድማ እቲ ኣብ መዕረፎ ባፅዕ ዝተራገፈ ንብረት ድሕሪ ሒደት መዓልታት ብካርጎ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተፅዓነ ተገሊፁ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ወደባት ባፅዕን ዓሰብን ንሚስጢራዊ ወተሃደራውን መራገፊ ቀረብ ዕጥቅን ስንቅን ከምዝጥቀመሉ ይፍለጥ።

ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓንሳብ ደለይቲ ሰላም ካልእ ግዜ ድማ ዝተፈላለዩ ብምምሳል ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ንምኽፋት ይዳለው ከምዘለው ተዓዘብቲ ይገልፁ።