ክርስትያናዊ ሃገራውነት ንኢትዮጵያ የፍርሳ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብሄር መሰረት ዝገበረ ፖሎቲካን ሃይማኖትን መምህር ዝኾነ ኣንድሪው ዲኮርት ኣብ ጋዜጣ ፎርየን ፖሊሲ (FP)፣ ክርስትያናዊ ሃገራውነት ንኢትዮጵያ ይብትናሎ ክብል ገሊፁ።

ከም ገለፃ ኣንድሪው ኣብ ሃጸያዊ ታሪኽ እታ ሃገር ሱር ዝሰደደ ሃይማኖታዊ ትንሳኤ ምስ ኲናት ሓድሕድን ምስፍሕፋሕ ምጽናት ዘርኢን ዝተፈላለየ እምነት ንዘለዎ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ሸሚምዎ እዮ።

ሓድነት ኢትዮጵያ ክመልስ እዮ ዝኸውን ዝብል እቲ ጥንታዊ ሃፀያውን ሃይማኖታውን ስርዓት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣብይ ኣሕመድ ዳግማይ ይጥጥዕ እኳ እንተሎ፣ ሓድነት ከውሕስስ ይትረፍ ነቲ ሃገር ገማሚዑ ይብትናን ነቲ ኣብታ ሃገር ዓሲሉ ዘሎ ሕድሕድ ምትፍናን የጎሃህሮ እዮ ዘሎ።

እቲ ክርስትያናዊ ሃገራውነት እምነት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ክርስትያናዊ መሪሕነት ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረትን ንዕብየት ዝተመደበትን ክርስትያናዊት ሃገር እያ ኢሉ እዮ ዝኣምን።

ይኹን እምበር እዚ ክርስትያናዊ ሃገራውነት ሎሚ ፅልኢ ብምቑስቋስ፣ ኲናት ጠጠው ከይብል፣ ሓቀኛ ዘተ ከይካየድ፣ ዝተፈላለ ሓሳብ ዘለዎም ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ኸይዓስሉ፣ ናይ ሰላም ድምፅታት ኣብ ምዕፋን ተፀሚዱ እዮ ዘሎ።

ሃይማኖታዊ ታሪክ ኢትዮጵያ ምርዳእ፣ነቲ ሕዚ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ዝተሓላለኸ ግርጭታት ንምፍላጥን መስኮት ሰላም ንምንዳይን እንኮ መንገዲ እዩ።

ከምኡ እውን ትንታነታት ኢትዮጵያ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሃይማኖት ገለልተኛታት ንምምሳል ዝፍትኑ እኳ እንተኾኑ፣ 98 ሚእታዊት ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ግን ሃይማኖት “ኣዝዩ ኣገዳሲ” እዩ ይብሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ቆጸራ ህዝቢ ኢትዮጵያ 43.5 ሚእታዊት ኢትዮጵያውያን ኦርቶዶክስ ክርስትያን፣ 33.9 ሚእታዊት ኣስላም፣ 18.6 ሚእታዊት ድማ ፕሮቴስታንት ምዃኖም ይገልጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንሃይማኖት ዕሽሽ ክትብሎ ከለኻ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣዝዮም ሓያላት ምንጪ ድርኺት- ከምኡ’ውን መጥቀሚ ፖሎቲካ ምኻኑን ትዝንግዕ ኣለኻ ማለት እዮ ይብል ኣንድሪው።

ኣብ ቅድሚ 1974 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ንኣስታት 1600 ዓማውቲ ክርስትያናዊት ሃገር ኮይና ዝፀንሐት ኢትዮጵያ፣ ኦርቶዶክስ ምዃን መግለፂ መንነትን ደቂ ኣባትነትን ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መሪሕነቱ ንሃይማኖትን መንነትን ጨፍሊቑ ዝገዝእ ዝነበረ ሃጸይ ሚኒሊክ ዳግማዊ ንኢትዮጵያ “ኣብ ባሕሪ ኣረማውያን እትርከብ ክርስትያናዊት ደሴት” ኢሉ ጸዊዕዋ ከምዝነበረ ዝፈለጥ እዩ።

ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ ፖሊሲ ዝያዳ ተጻዋርነት ዝነበሮ ዝመስል ቅዋም ዋላ እንተውፅኡ፣ ኢትዮጵያ ግን ብወግዒ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ሃፀያዊት ግዝኣት ኮይና ክትፀንሕን ኦርቶዶክሳውያን ኣይኮኑን ተባሂሉ ኣብ ዝእመን ወሰናስን እታ ሃገር ንፕሮቲስታንስ ምሴናውያን ሃይማኖት ናይ መቕያር ስራሕ ክሰርሑ ፈቒደሎም ጸኒሖም እዮም።

ድሕሪ ምውዳቕ ሃይለስላሰ ዝመፅአ ስርዓት ደርጊ ግን ሃይማኖት መሰረት ድንቁርና እዮ ዝብል መርገፂ ብምሓዝ ኣንፃር እምነታት ይወፍር ነበረ።

እንተኾነ ግን ዋላ እዚ ሶቬታዊ ጨፍጫፊ ስርዓት ደርጊ ኣንፃር ሃይማኖት ይሰለፍ እምበር፣ እናት ሃገር ‘ኣዶ ሃገር’ ዝብል ንናይ ኦርቶዶክስ ቅድስቲ ሃገር ዝብል ተመዓዳዳዊ ጭርሖ ግን ብዕጡቓቱ ይዝምር እዮ ዝነበረ።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት መራሓቲ ሃይማኖት ፈቐዶ መሓይር ተደርብዮም ገለ ተሰዲዶም ገለ ድማ ይቕተሉ እዮም ነይሮም።

ብተጋድሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ስርዓት ደርጊ ተወጊዱ ስርዓት ኢህወደግ ኮረቻ ስልጣን ምስሓዘ፣ ኢትዮጵያ ናብ ሴኩላሪዝም ብምምራሕ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎምን ዘይብሎም ትቕበል ሃገር እያ ኾይና።

ነዚ ስዒቡ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምናን ፕሮቲስታንትን ሓጎሶም ክገልፁ ከለው፣ ኦርቶዶክሳውያን ግን ርስቶም ይምንዝዑ ከምዘለው እዮ ዝስምዖም ነይሩ።

ኣንድሪው ኣብሓተትኡ ካብ ክፍለዘመን 19 ክሳብ 20 ሃይማኖት ወንጌላዊት ካብ ውሑዳት ናብ 20 ሚልዮን ክብ ከም ዝበለ ይሕብር፣ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እውን እንዳሰሰኑ እዮም መፂኦም፣ እዚ ድማ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ኣብዝኣመኑ ዓብይ ጭንቂ ክፈጥርን፣ እታ ናይቀደም ኢትዮጵያ ትቕህም ከይትህሉ ከሰንብዶም ጀሚሩ እዩ።

በመናእሰይ ኦሮሞን ካልኦትን ኣንፃር ኢህወደግ የካይድዎ ዝነበረ ዓመፅ ዓመተ 2018 ኣብ ሃይማኖታዊ ታሪኽን ህዝባዊ ህይወትን ኢትዮጵያ ዓቢ ነጥበ መቐይሮ ዝውክል’ዩ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ተኸታሊ እምነት ፕሮቲስታንት ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ወሪዱን፣ ተኸታሊ ኢቫንጂሊካል ዝኾነ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ደይቡ። ኣብይ ክንሱ ተኸታሊ እምነት ጴንጠቆስታል እንትኸውን ኣዲኡ ኦርቶዶክስ ኣቡኡ ድማ ኣስላማይ እዮም።

ኣብይ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን-ብፍላይ ወንጌላውያን-ከም መሲሕ፡ ከም ሓድሽ “ሙሴ” ወይ “ንጉስ ዳዊት” ንኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ዘድሕና እንዳተብሃለ ይንኣድ ነይሩ።

ኣብዩ ኣሕመድ ንፈለማ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንርእሱ “ሻብዓይ ንጉስ” ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣዊጁ፡ እዚ ድማ ነቲ ኦርቶዶክሳዊት ኣዲኡ ኣብ ህጻንነቱ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበራ ትንቢት ዝጠቅስ እዩ።

እዚ ርእሰ-ኣቀራርባ’ዚ፡ ጥንታዊ ታሪኽ ክርስትያናዊ ሃጸይነት ኢትዮጵያን ክመልስ እዮ ዝብል ኣብ ኣመንቲ ሓንቲ ኦርቶዶክሳዊት ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ዓሲሉ ነበረ።

ኣብይ ብወግዒ ድምፂ መኽረርቲኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከም ዳንኤል ክብረት ዝበሉ ከልዕል ጀመረ፡ ድሕሪ ማሕበረ ቅዱሳን ዘሎ ፍሉጥ ኦርቶዶክሳዊ ዳኒኤል ክብረት ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኾነ ፕሮቲስታንት ዘለዎ ፅልኢ ምቅላሕ ዘገርም ኣየኮነን።

ዳኒኤል ክብረት ኣባል ባይቶ እንትኸውን ብዓብይ ኣማኻሪ ኮይኑ ምስተመዘዘ ህዝቢ ትግራይ ፃህያይ እዮ ሰይጣን እዮ ክንቀልን ካብ ሰብ ሕሊና ክፈሓቕን ኣለዎ ዝብል ጻዊዒት ጀኖሳይድ ዝኾነ መደረ ኣቃሊሑ ነበረ።

እታ ኮኾብ ዘይብላ ቀያሕ ብጫን ቀጠልያን ባንዴራ ሃጸያዊ ግዝኣት ኦርቶዶክስ ካብ ሞት ተሲኣ ናይ ሃጸያዊ ናፍቖት ዕጡቓት ምልክት ኮይና እያ።

እዛ ክርስትያናዊት ሃገራውነት ባንዴራ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ኩሉ ቦታታት ትርከብን ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ጠንቂ መሪር ክትዕ ኮይና ትርከብ።

ሓደ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ኣክቲቪስት ንኤፍ.ፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ኦሮሞ ከምቲ ሎሚ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ንባንዴራ ኮንፈደረሽን ኣብ ኣመሪካ ዝርእይዎ: ከም ምልክት ምግዛእን ስዕረትን ጌሮም ነዚ ባንዴራ ከምዝሪእዎ ይሕብር።

ወንጌላውነት ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓያሎ ይስፋሕፋሕ ኣሎ።

እዚ ቅልጡፍ ዕብየት እዚ ኣብ ኦሮሚያን ደቡባዊ ዞባታት ኢትዮጵያን ዝሓየለ ኮይኑ፡ ብዙሓት ብኦርቶዶክሳዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝተገፍዑን ድኻታት ኮይንና ክነብር ተፈሪዱና ዝብሉ እዮም።

እዚ ምንቅስቓስ እዚ “ወንጌል ብልጽግና” ኣብ ህዝባዊ ባህሊ ኢትዮጵያ ክተኣታቶ ገይርዎ ኣሎ። ብብዙሕ መዳይ ኣብይ ንባዕሉ በዓል ሃፍቲ ብልፅግና እዩ።

ነቲ ኣረጊት ኢህወደግ ብሓድሽ “ብልጽግና ፓርቲ” ብምትካእ፡ ሃይማኖታዊ ቃላቱ ናብ ጎደና ፖሎቲካ እታ ሃገር ኣምፂእዎ እዮ።

ኣብዪ ብዘይ ሓገዝ ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላውያን ሓለውቲ ኣፍደገ ሻብዓይ ንጉስ ኢትዮጵያ ክኸውን ከም ዘይክእል ተረዲኡ፡ ቀልጢፉ ናብ ውሽጣዊ ዓንኬሉ ክጽውዖም ተራእዮ እዮ።

ኣብይ ኣብ 2019 ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላዊት ካውንስል ድሕሪ ምጥያሽ እቲ ካውንስል ኣብ ትሕቲ 15 ጽዕንቶ ፈጠርቲ ሰበኽቲ ክርስትና ክምሓደር ብምግባር ከም በዓል ምሕረት ደበበ፣ ንጉስ ቡልቻን ቤታ መንግስቱን ከምኡ እውን ዮናስ ዘውዱ ክካተቱ ገይሩ እዮ።

ኣብይ ኣሕመድ 400 ወንጌላውያን ኣኪቡ መደረ ኣብ ዝሃበሉ፣ “መንግስትን ሃይማኖትን ዝተፈላለዪ እዮም ነገር ግን ሓቢርና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ማለት ኣይኮነን” ክብል ተስሚዑ ነበረ።

እቲ ናይፈለማ ሰነድ ኣብ ዓንቀፁ እቶም መራሕቲ ካውንስል ተፃውዕኖቶም ንኣብይ ምኻኑ ይሕብር። ድሕሪ መጋረጃ፡ ኣባልነት ናይዚ ጉጅለ፡ ኣታዊ ዘለዎ ንግዳዊ ውዕላት፡ ምሃብ መሬት፡ ከምኡ’ውን ሽመት ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘለ እዩ።

ኣብይ ብዛዕባ እቲ ቤት ምኽሪ ዘለዎ ዕላማ ምስ ተሓተተ፡ እንዳስሓቐ እንትምልስ፡ “እዚ ሕቶ ንምምላስ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ንስኹም ድልዱል ትካል ትደልዮ ኣለኹም። ሓሳበይ ግና መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ እዩ።” በለ።

ኣብይ ነዚ እንትገበር፣ እንተድኣ ክርስትያናት ኮረቻ ሥልጣን፣ ትካላት ንግድን ትካላትን ተቖፃፆሮመን ህዝብ
ናብ ክርስቶስ ኢዱ ክዝርግሕ እዮ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ክሳብ ሎሚ ጻዕሪ ኣብይ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይኮይኑ ብዘይ ምግናን ዕዉት ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ንዕኡ ዝነበረ ናይ ተወፋይነት ስምዒት ዝጭበጥን ሓያልን ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ንምርዳእ ድማ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ታሪኽ ወሳኒ እዩ።

ኦርቶዶክሳውያን ካብ 1974 ዓ/ም ኣትሒዞም ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ናይ ምምሕዳር ታሪኻዊ መሰሎም ዝተወረሱ ኮይኑ ተሰሚዕዎም ኣሎ። ወንጌላውያን ንሓደ ዘመን ተገሊሎም ድሕሪኡ ድማ ከምብሓድሽ
ተኾሊዖም እዮም።

እቶም ዝተረፉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ተመዲቦም ዝርከቡ ድማ ብከም ዳንኤል ዝኣመሰሉ ዘወርቲ ሃፀያዊት ኦርቶዶክሳዊት ኢትዮጵያ “ዘይኢትዮጵያውያን” ተባሂሎም ይላገጹሎም።

ኣብ ነንሕድሕዶም ዘለዎም ርክብ ኣዝዩ ተተፋናኒ ኮይኑ ይቕጽል እኳ እንተሎ ክልቲኦም ግን ኣብይ ሻብዓይ ንጉስ ገይሮም ዝተቐበልዎ ይመስሉ፣ ናይዚ ዕላማ ድማ እንተወሓደ ንነፍሲ ​​ወከፎም ህርፋኖም መሳርሒ ኽኸውን ይኽእል እዮ ኢሎም ስለዝኣምኑ እዮ።

ኣብ ዘመነ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ን18 ኣዋርሕ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ተላዒሉ ኣሎ።

ከምውፂኢቱ ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሓደጋ ጥሜት ኣጋጢምዎም፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተጋሩ ድማ ተመዛቢሎም ኣለዉ።.

እዚ ኲናት ዝመስል ዓመጽ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት እታ ሃገር፡ እንተላይ ኣብ ኦሮሚያ፡ ቤንሻንጉል-ጉሙዝን ካልእ ቦታታትን የዕንዉ ኣሎ።

ከምኡ እውን ጭፍጨፋታትን ጃምላዊ ዓመጽን ካልእ ግፍዕታትን ልቢ ዝሰብር ንቡር ኣርእስታት ዜና ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃጸያዊት ርእሰ ከተማ ጎንደር ኣስላም ብ“ክርስትያን ኣኽረርቲ” ክሕረዱን መሳጊድ ክቃጸሉን ርኢና ኢና።

መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኣስላም ብምኽንያት ኣኽራሪ ዓመጽ ዝወቅስ እስላሞፎቢክ ሰነዳዊ ፊልም ዘርጊሐን ኣለዋ፡ ኣብያተ ክርስትያናት’ውን ኣብ ካልእ ቦታታት ተቓፂለን እየን።

ከም ገለፃ ሓደ ኢትዮጵያዊ ተመራማሪ ንኤፍ.ፒ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕተት “ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ገበነኛ ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ግዳይ እዩ።” ይብል።.

ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ርኡይ በደል ክሽፍን ስለዘይክኣልኩ፣ ብገለሰባት ደጋፊ ግብረ ራዕዲ ተባሂለ ዝበለ ኣንድሪው፣ ሰበስልጣን ብልፅግና ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት ዓሌት ምፅናት ከም ፍቃድ ኣምላኽ እዮም ዝርእይዎ ይብል።.

ኣንድሪው “ንዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ እናተማህርኩን እናሰርሐን ከምዚ ዓይነት መሪር ጽልእን ተስፋ ምቑራጽን ርእየ ኣይፈልጥን« ይብል።

ከምኡ እውን ብሚድያታት ዝውዛዕ ናይ ፅልኢ ቃላት ዘተሓሳስብ ምኻኑ ይሕብር።

ጀኖሳይድ ዋች ንኢትዮጵያ ኣብ ደረጃ 5 “ውዳበ”፣ 9 “ቕንፀላ ወይ ጭፍጨፋ”፣ 10 “ምኽሓድ” ምጽናት ዓሌት ኣቐሚጥዋ ኣሎ።

ኣፍሪቃውያን ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኢትዮጵያ ብመጠን ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ዝፍጸም ዓመጽ ገና ክለዓል ከምዝኽእል የጠንቅቑ።

እዚ ብዓብይኡ ብኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣዎጆ ናይ ዓሌት ምፃንት መደረታት ዝብገስ እዮ።

ኣብይ ኣሕመድ፣ ንህዝቢ ትግራይ እዚኦም መንሽሮ እዮም፣ ፃህያይ እዮም፣ ዝብኢ ቀትሪ እዮም ክንቀሉ ኣለወም ክብል ክብል ተደጋጋሚ መደረታት የስምዕ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ማሕበረሳበት በደል ጄኖሳይድ ከም ዝበፅሖም ይሕብሩ እኳ እንተለው፣ ወንጌላውያን ኢትዮጵያ ግን እቲ ዓለም ብሓቂ ትርእዮ ዘላ፣ ናብ መለኮታዊት ኢትዮጵያ ምምላስ ምኻኑ ኣፅኒዖም ይዛረቡ።