ውድብ ብልፅግና ንጉዳይ ዘተ ሰላም ትግራይ ኣመልኪቱ ነኒባዕሉ ዝገራጮ መግለፂ ኣውፂኡ።

ውድብ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኲናት ትግራይ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝቐርቡ ኣማራፂታት ክርአ ከምዝወሰነ ሓቢሩ።

ምክትል ፕረዚደንት እቲ ውድብ ኣቶ ኣደም ፋራሕን ሚስተር ፍትሕን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴን ዝኾነ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኲናት ትግራይ ሰለማዊ ፍታሕ ከምዘድልዮ ሓቢሮም።

ብምዃኑ እውን ኢትዮጵያ ወኪሎም ንኽዛተዩ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ከምዝመዘዘ እውን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ኮይኑ ግና እቲ ዝካየድ ዘተ ሰላም “ሕገ-መንግስታውነት ዘኽበረ፡ ሃገራዊ ረብሓ ብዝሕሉ መልክዑ” ከምዝኸውንን እዚ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ስጉምቲ ዝወስዱ ሓይልታት ፀጥታ ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም ብምባል ነነባዕሉ ዝገራጮ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ እዚ ሕጂ ንዘተ ሰላም ድልው እየ ብምባል ዘውፀኦ መግለፂ፡ ድጋፍ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብን ትግራይ ንምውራር ወተሃደራዊ ምድላዋት ንምግባር ዝዓለመ ሽጣራ ከምዝኾነ እዮም ተዓዘብቲ ዝገልፁ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ ቀፃልነት ሰራዊት ትግራይ፣ ተፈፃምነት መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይን ካልኦትን ናብ ዘተ ዘይቐርቡ ጉዳያት ከምዝኾኑ ገሊፁ ነይሩ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ትግራይ ንዘተ ቅሩብ ከምዝኾነን እንተኾነ ነቲ ዘተ ሰላም ብሞንጎኝነት ከካይዶ ዝተብሃለ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሕጊ ምኽባር እዩ ብምባል ኣብ ጎኒ ስርዓት ኢትዮጵያ ከምዝተሰለፈን ሕጂ እውን ጥርጣረ ዘከምዘለዎን ምግላፁ ይዝርከር።