ፕረዚዳንት ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ንዓለምለኸ ማሕበር ሙሁራን ትግራይ ንመኸተ ትግራይ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።

ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ምስ ማሕበር ሙሁራን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ዘተ እቲ ማሕበር ንመኸተ ትግራይ ንዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ምስግንታን ኣፍልጦን ከምዝሃቦ ተሓቢሩ።

እቲ ማሕበር ሕጂ ኣብ ዝግበር ዘሎ መኸተን ቀፃሊ ትግራይ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ርብርብን ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ኣበርቲዑ ክቕፅለሉ እውን ዶክተር ደብረጽዮን ፀዊዑ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ሙሁራን ኣብ ደገ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን መኸተን ትግራይ ቀዳምነት ልዑል ተሳታፊ ብምዃን ቅድሚት ዝፅራሕ ውዳበ እዩ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ሙሁራን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም ብዝነብሩ ምሁራን ትግራይ ብ2010 ዓ/ም ዝተጣየሸ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 3 ሽሕ ኣባላት ዝሓቖፈ እዩ።