ሽኹልን “ጃጃውን” ትንታነ ስብሓት ነጋ

ብ ደስታ ገብረመድህን

ሽኹል ሰብ እንብሎ፤ ንምዕባለታት፣ ለውጥታትን ብውነ ተረዲኡ ኣብ ክንዲ ምስ ወድዓውነት ዝተዓረቕ፤ ኣብ ነባር እምነቱን መርገፂኡን ብዓይኒ ዕሙተይ ዝነቅፅ ሰብ እዩ።

ሰባት ንምንታይ ከምኡ ይኾኑ ኢልና ምስ እንርኢ ካብ እንረኽቦም መልስታት ሓደ ድማ፤ ስነልቦናዊ እዩ። ገለ ውልቀሰባት ህይወቶም፣ ግዜኦም፣ ኮታስ ኩሉነገሮም ምስ ዝገበርሉ ‘ስነ-ሓሳብ’ ሓያል ምልጋብ (attachment) እዮም ዝፈጥሩ። እዚ ንነዊሕ ግዜ ዝፀንሕ ምልጋብ ኸኣ፤ ካልኦት ኣማራፂ ኣረኣእያታትን ምዕባለታትን ከይቕበሉ ዕንቅፋት ይኾኖም።

በዚ ምኽንያት ኸኣ፤ ኣብ ክንዲ ነቲ ንንቡር እምነታቶም ዝፃረር ሓድሽ መረዳእታን ሓቅታትን ምቕባል፤ ኣብ’ቲ ‘ህይወቶም ምሉእ’ ዝገበርሉ እምነት ክዕንቅፁ ይመርፁ። ዋላ ’ውን ሽሕን ምኢትን መረዳእታ ኣብ ቅድሚኦም ተደርዲሩ፤ ክቕበልዎ ይኸብዶም።

ካብ ኩነታት ስብሓት ነጋ እውን፤ ነዚ እየ ተረዲአ። ስብሓት ብባህሪ ኾነ፤ ብትንታነ ተሸኺሉ ዝተረፈ ይመስል።

ካብ ሕሉፍ ባህርታት ስብሓት ነጋ ተበጊስና ንርአ

ስብሓት ካብ ቀደሙ፤ ናብ ሚድያ ዝቕልቀል ሓንቲ ከሕልፋ ዝደለየ “ዓባይ” መልእኽቲ ሒዙ እዩ። ኣብ ርእሱ ንዝኾኑ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለ መዚዙ፤ ንዐኦም መውቅዒ ዝኸውን ሓደ ኣጀንዳ ሸው ንምባል። እቲ ኻልእ ኣብ’ቲ ቃለመሕትት ዝለዓል ጉዳያት፤ ንእግረመገዱ ከም ድላዩ ዝዛረበሉ እዩ።

ኣብ’ቲ ናይ ሕዚ፤ ምስ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እውን “ዕሱባት ሲኣይኤ” ንዝበሎም ሰባት ዝምልከት ኣጀንዳ ሒዙ እዩ ተቐልቂሉ እምበር፤ ስብሓት ዝሃቦ ትንተና፤ ኣብ’ዚ እቶ ዘይበሃል፣ ነንርእሱ ዝቃረንን ቀዲሙ ዘይሓሰበሉን ዘይወደቦን እዩ ዝመስል።

ነዚ ድማ እዩ ኣብ’ቲ ቃለመሕትቱ፤ ነቶም ሕቶታት ብንፁር ክምልስ ተፀጊሙ። ነቲ ትግራይ ዘጋጠማን ዘላትሉን ኩነታት ብውነ ዝገምገሞ ኣይመስልን። ቅድሚ 10 ዓመት ኢህወዴግ ብዝነበሮ ገምጋምን ትንታነታትን እዩ ንኹሉ ነገር ክርእዮ ፈቲኑ።

ንዞባዊ ጉዳያት እንትርኢ እውን፤ ነቶም ዘለዉ ምዕባለታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ብውነ ኣይኮነን ተዛሪብሉ። ንጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ’ዚ ዞባ ክትንትን ዕድል ተዋሂብዎ፤ ቀባሕባሕ ኢሉ። ነቲ “ሰገር ቀይሕ ባሕሪ” ዝብሎ ዝነበረ ናይ ‘ገልፍ ሃገራት’ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ “ኣይተለወጠን” ብምባል ክሓልፎ መሪፁ። ነዚ ምትእትታዋት ድማ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፤ ካልቸራል ዶሚኔሽን” ንምምፃእ ዝግበር ምትእታታው ገይሩ እዩ ገሊፅዎ።

እዚ ምትእትታዋት ግን፤ ኣብ ቀረባ ዓመታት ጥራይ እኳስ ብዙሕ ምዕባለታት ዝተርኣየሉ፤ ዝያዳ ‘ካልቸራል ዶሚኔሽን’ ብቁጠባዊ ድልየታትን ፀኒሑ ድማ ብፀጥታዊ ጉዳያትን ዝተገንሐ ምትእትታዋት እዩ ነይሩ።

ነዚ ድማ እዩ ስብሓት፤ ብኣቀራርብኡ (ናብ ሚድያ ዝተቐልቀለሉ መገዲ) ኮነ ትንታነኡ ‘ሽኹል’ እዩ ዝብል ዘለኹ።

ንትንታንኡ “ጃጃዊ” ዝብሎ ዘለኹ ድማ፤ ካብ ናይ ባዕሉ ኣገላልፃ ተበጊሰ እየ። ኣብ መወዳእታ እቲ ቃለ መሕተት ስብሓት “ኤክስተርናላይዝ ምግባር ናይ ቦጅባጅ እዩ” ይብል። ኣብ’ታ ቃለመሕትቱ ግን ንኹለን ጉዳያት ህወሓት፤ ‘ኤክስተርናላይዝ’ ገይሩ እዩ ወዲእወን። ንኹሉ እቲ መንቀሊ ናይ’ቲ ፀገማት ደጋዊ፤ ብሲኣይኤን ብኢሳይያስን ዝተገበረ እዩ ኢሉ እዩ ደምዲሙ። ነቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢህወዴግ ዘጋጠመ ኾነ እቲ ሕዚ ዘሎ ቅልውላው፤ ቀንዲ ምኽንያቱ ካብ ደገ ዝብገስ እዩ ዝብል ሓሳብ እዩ ብተደጋጋሚ ኣንፀባሪቑ። እቲ ‘ኢንገልፍመንት ኤንድ ኢንፊልትሬሽን /engulfment and infiltration/’ እናበለ ዝገለፆ ንሱ እዩ።

ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ንምንታይ ቅልውላው የጋጥም ዝብል እንትንርኢ፤ ብዙሓት ምኽንያታት ኢና ንረክብ። እቶም ቀንዲ ድማ፤

  • ኣብ ውሽጢ ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ፤ ኣብ ቀንዲ መትከላት ሓሳባዊ ፍልልያት እንትህልዉ
  • ንስልጣን፣ ፅልዋን መሪሕነትን ኣብ መንጎ ውልቀሳባትን ጉጅለታትን ቃፀፅ እንትህሉ
  • ኣብ ስትራቴጅያዊ ጉዳያት፤ ናበይ ንኺድ፣ ምስ መን ንመሓዞ ወዘተ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ፍልልይ እንትፍጠር
  • ከምኡ ድማ ደጋዊ ኣታውነታት እዮም።

ካብዚ ተበጊስና እንትንርኢ፤ እቲ ኣብ ኢህወዴግ ዘጋጠመ ቅልውላው፤ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ብዙሓት መበገሲ ምኽንያታት ውፅኢት እዩ። ኣብ ውሽጢ እቶም ንኢህወዴግ ዘቖሙ ውድባት፤ ካብቲ እታ ሃገር ዘለዋ ታሪኻዊ ተቓርኖታትን ካብ ድልየታት እቲ ዝውክልዎ ህዝብታትን ዝብገስ ‘ሓሳባዊ’ ፍልልያት ኣጥርዮም እዮም። ስልጣን፣ ፅልዋን መሪሕነትን ንምጭባጥ ካብ ዘለዎም ቃፀፅ ተበጊሶም እውን ነቲ ‘ለውጢ’ ዝብልዎ ክፈጥሩ ሰሪሖም።

ኣብ’ዚ ሓጋዚ ዝነበረ ደጋዊ ምትእትታዋት ኣይነበረን ኣይበሃልን። ከም’ቲ ስብሓት ዘቕረቦ እንኮን ወሳንን ረቛሒ ግን ኣይነበረን።

ስብሓት፤ መንቀሊ ናይ’ቲ ናብ ኩናት ትግራይ ዘምረሐ ቅልውላው እንታይ እዩ ዝብል እንትምልስ፤ “ኢህወዴግ ቅልጡፍን ዓሚዩቕን ተሃድሶ ገይሩ ነቲ ዝነበሮ ጉድለታት ኣሪሙ ከሕፍረና እዩ፤ ብዝብል ኢሳይያስን ሲኣይኣኤን” ካብ ደገ ዘበጋገስዎ ቅልውላው ከምዝኾነ ገይሩ የቐምጥ። ነዚ እየ፤ ንውሽጢ ክርእይ ዘይመረፀ ‘ኤክስተርናላይዝ’ ዝገብር ‘ጃጃዊ’ ትንታነ ዝብሎ ዘለኹ።

ኣብ’ቲ ኣብ ህወሓት ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው እውን እንተኾነ፤ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ውሽጣዊ መንቀሊታትን፤ ልምሰት መሪሕነትን ዕሽሽ ኢሉ፤ ቀንዲ ሓደግኡ ካብ ሲኣይኤን ፒፒን ዝፍልፍል ኢድ ኣታውነት ገይሩ እዩ ዝድምድም።

ሽኽለታት ስብሓት

ስብሓት፤ ካብታ “ዕሱባት ሲኣይኤ” እትብል ኣጀንዳ ብተወሳኺ፤ ኣብ’ዚ ቃለመሕትቱ ሒዝዎ ዝመፀ ኣጀንዳ፤ ነታ ኣብ ዓፅረ ሞት ዘላ ህወሓት፤ ‘ኣላ እያ፣ ኣይሞተትን’ ዝብል ሓሳብ ንምንፅብራቕ ይመስል። ካብ ድኽመታ ኣልዒሉ፤ ሓይሊ ከልብሳ ይፍትን ነይሩ። ነዚ ድማ እዩ፤ ካብ ፈለማ እቲ ቃለ መሕተት ጀሚሩ “ህወሓት እያ ተሐክመኒ ዘላ” ክብል ዝሰማዕናዮ።

ነዚ ዘጠናኽሩ፤ ካልኦት ኣገላልፃታት እውን ተጠቒሙ እዩ። እኳ ደኣስ ንርእሶም ዘጋጨዉ ኮይኖም እምበር። ሓንሳብ “ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ፤ ከም ህወሓት ዝኣመሰለ ውድብ የለን” ይብል። ፀኒሑ ድማ ብዘይካ ህወሓት “ኣብ ኣፍሪቃ ፓርቲ የለን፤ ኤኤንሲ ነይሩ ንሱ’ውን ተረሚሱ እዩ” ይብል።

እዚ ‘ህወሓት ሓያል ውድብ እያ’ ዝብል ብድፉኑ ዘየለ ዓቕሚን ምስልን ንምሃብ ዝፈተኖ እዩ’ምበር፤ ረቛሒታት ኣቐሚጡን መዚኑን ኣይኮነን። እንተዝኸውን፤ ሓንሳብ “ካብ ትሕተ ሳህራ” ፀኒሑ ድማ “ካብ ኣፍሪቃ” እታ ዝሓየለት ክገብራ ኣይምረኣናዮን።

ናይ’ዚ መቐፀልታ ድማ፤ ኣብ ትግራይ ብዘይካ ህወሓት ፖለቲካዊ ውድብ የለን ዝብል መደምደምታ ክህብ ሰሚዕናዮ። እዚ’ኳ ንፈለማ እዋን ዝበሎ ኣይኮነን። እዚ መደምደምታ እዚ፤ ካብ ስነሓሳባዊ ሽኽለት ስብሓት ነጋ ዝብገስ ዝፀንሐ መርገፂኡ እዩ።

ኮሚኒስታዊ ትንታነ ስብሓት፤ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ‘ደርባዊ ቃልሲ’ ጥራይን ጥራይን ይድረኽ ዝብል እዩ። ካብ’ዚ ብዝብገስ ኸኣ ንዝኾነ ብሄራዊ ቃልሲ ኣፍልጦ ክህብ ኣይደልይን። ስለዝኾነ፤ ፖለቲካዊ ውዳበታት ደርባዊ ውግንና ሒዞም እዮም ክብገሱ ዘለዎም ዝብል ዕንቁፅ መርገፂ እዩ ዘንፀባርቕ። ህዝብታት፤ ኣንፃር ባዕዳዊ መግዛእቲ፣ ኣንፃር ብሄራዊ ጭቆና፣ ምእንተ ብሄራዊ ናፅነትን ፖለቲካዊ ቃልሲ ከካይዱን፤ ነዚ ዝመርሕ ፖለቲካዊ ውዳበ ከቑሙን ከምዝኽእሉ ዝኽሕድ ቅዋም እዩ፤ ናይ ስብሓት ነጋ።

ህዝቢ ትግራይ፤ ‘ብሄራዊ ቃልሱ ወዲኡ ዝሓደረ እዩ፤ ብሕገመንግስቲ መሊስዎ እዩ’ ዝብል ካልእ ሽኹል ሓሳብ ተሸኪሙ ምህላዉ’ውን ኣብቲ ቃለመሕትቱ ከንፀባርቖ ፈቲኑ እዩ። ንሓደ ህዝቢ ካብ ፅንተታዊ ኩናት ዘይከላኸል፣ ነባር ግዝኣቱን ሃለዋቱን ኣብ ሓደጋ እንትኣቱ ውሕስና ዘይኾን ወረቐት፤ ብኸመይ እዩ “መልሲ ሂቡ” ዝበሃል?

እንተድኣ እቲ ሕገመንግስቲ ውሕስና ዝህብ ኮይኑ ደኣ፤ ንምንታይ እዩ ነቲ “ብሄረ ትግራይ ክትህሉ ኣይብላን” ኢሎም ፈፂሞምዎ ዝበሎ ኩናት ክከላኸል ዘይከኣለ። “ናይ ኣፈፃፅማ ጉድለት” ዝብል ሽኹል ኢህወዴጋዊ መልሲ፤ ኣፅጋቢ ክኸውን ከምዘይኽእል ግሁድ እዩ።

ብሓፈሽኡ፤ ስብሓት ኣብ’ዚ ቃለመሕተቱ ናቱ ዋኒን “ህወሓት” እምበር ህዝቢ ትግራይ ዘይምዃኑ እዩ ኣርእዩና። ካብ ዓይኒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ርእዩ ዝተንተኖ ዋላ ሓንቲ ነግር የላን። መነፀሩ ፀባብ እያ። ካልእስ ይትረፍ፤ “ካድረ ካውንስል ከይጣይሽ ዝገበሮ መኸተ፤ ካብቲ ህዝቢ ትግራይ ንህልውንኡ ኢሉ ዝገበሮ ናይ ክልተ ዓመት መኸተ ሞር ሲግኒፊከንት እዩ” እዩ ተደርፂፁ ክዛረብ እኳ ኣይሓነኸን።

ኣብ መወዳእታ እውን “ጅግንነት ምትኳስ ኣይኮነን” ዝበሎ ብላዕሊኡ እንትረኣይ ቅኑዕ ዝመስል ዘረባ፤ ካብ’ቲ ዝተጋደለ መንእሰይ ትግራይ “ጅግንነት” ንምምንጣልን ሞራል ንምስላብን እዩ ዝመስል።

ናይ’ዚ መቐፀልታ ድማ፤ “ክንድምስስ ኢና ኢልና ዝተበገስናዮ ሓይሊ ኣይነበረን” ኢሉና። ናይዚ ዘረባ ዕላማ እውን ፍሉጥ እዩ። ነቲ ብሰንኪ ልሙስ መሪሕነት ህወሓት ዝተስኣነ ምሉእ ዓወት ምሽፋን።

ብሓፈሻ፤ ስብሓት ኣብዚ ቃለመሕተት ተሸኺሉ ምትራፉ፣ ንሓደሽቲ ምዕባለታት ኣብ ግምት ከእቱ ዘይምኽኣሉን በቲ ዝመፀሉ መገዲ፤ ገለ ኣጀንዳታት ከቐብል እምበር ሓድሽ ነገር ከአንፍት ዘይምምፅኡ እየ ተረዲአ።