ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ትምህርቲ ዓይነት ታሪኽ ናይ ትሕዝቶ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ካብ 15 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጅምርን ኣብ ውሱን ዓይነታት ትምህርቲ ምምሕያሽ ከምዝተገበረን ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብዘይካ ዞባ ምዕራብን ካብ ኢድ ፀላኢ ሓራ ዘይወጽኣ ከባብታትን፣ ኣብ ዝተረፉ ዞባታት ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምክያድ ምድላዋት ከምዝተገበረ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ሽሻይ ኣማረ ሓቢሩ፡፡

ነዚ ንምትግባር ድማ ንሕድሕድ ዓይነታት ትምህርቲ መምርሒ ከም ዝተዳለወን ኣብ ዓይነት ትምህርቲ ታሪኽ ዝተወሰነ ምምሕያሽ ከም ዝተገበረ ገሊፁ።

እዚ ዝተደለየሉ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ዓይነት ትምህርቲ ክጎልህ ዝግብኦ ንምጉላህን ክእለ ዝግበኦ ንምእላይን ምእንታን ክጥዕም ዝተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብምኽንያት ወረርቲ ፋሽሽታውያን ሓይልታት ብርክት ዝበሉ መምህራን ግዳይ ሞትን ምፍንቓልን ከም ዝኾኑ፣ቑፅሮም ዘይናዓቕ መምህራን ድማ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ከምዘለውን ነዞኦም ንምምላኣ ድማ በቢወረድኡ ዝርከቡ ኣመራርሓ ትምህረቲ ስራሕቲ ምትዕርራይ ከምዝገብሩን ዶክተር ሽሻይ ሓቢሩ፡፡

ከምኡ እውን ወረርቲ ሓይልታት ኣብያተ ትምህረቲ ትግራይ ዝስበር ሰይሮም ፣ ዝቃፀል ድማ ኣቃፂሎም ፣ ማዓስከሮም ኮይነን ከምዝፀንሓን ቅድሚ ምጅማር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እተን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ነተጉቲ ኾነ ኻልኦት ንህፃናት ሕማቕ ምስሊ ክፈጥሩ ዝኽእሉ መሳርሕታት ናፃ ምዃነን ከምዝረጋገፅ ኣረዲኡ፡፡

ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ፡ ናይታ ፀረ ብሄረ ተጋሩ ዝኾነት ኢትዮጵያ ምስሊ ዘጉልህ ከምዝኾነን ወለዶታት ብትግራይ ትግራዋይነትን ተኾስኲሶም ከይዓብዩን ዕንቅፋት ኮይኑ ፀኒሑ ብዝብል ይንቀፍ።