ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ፖርትላንድ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዘቕነዐ ዉዕዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ነቲ ሓደ ዓመቱ ክረግፅ ናይ መዓልታት ጊዜ ዝተረፎ እሞ ድማ መዕለቢ ዘይረኸበ ወራር ትግራይ ንኸብቅዕን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዓለማት ዘየዳግም ስጉምቲ ንኽወስዳን ዝፅዉዕ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ እግርን ተሽከርከርትን ሰልፊ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዲያስፖራ ተረኺቦም ከምኡ ድማ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ወፃእተኛታት ዝተሓወስዎ ድምፂ ተቓዉሞ እንትኾን ካብቶም ዝተረኸቡ ወፃእተኛታት ሓንቲ ክሳብ መወዳእታ ምሳኹም ክጎዓዝ እየ ክትብል በቲ ብምስልን ድምፅን ተዓጂቡ ዝወፀ ቪድዮ ትዛረብ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብቲ ምስሊ ከምዝረኣዩ ኣብ ቁርን ዝናብን ዘለዎ ሰዓት ምንባሩን ንሱ ከይዓጀቦም ብሓያል ድምፂ ተቓዉሞ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እዞም ገበነኛታት ኣካላት ካብ የተሓሳስበኒ ኣሎ ዝብል ቃል ብዝዘለለ ተግባር ስጉምቲ ንኽወስድ እዚ ምስ ዝገብር ድማ ሂወት ሚሊዮናት ከድሕን ከምዝኽእል ኣብ ኣደባባያት እታ ከተማ ድምፆም ኣስሚዖም።

ካብቶም ዘስምዕዎም ድምፅታት እዉን ህዝቢ ትግራይ ብሰብ ሰራሕ ጥምየት ይሞት ኣሎ፡ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠዉ የብል፣ ኣሜሪካ ስጉምቲ ትዉሰድ ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።

ካሊእ ትግራይ ካብ ዓለም ተነፂላ ፀላእቲ ኣብ ልዕሊኣ ብጥምየትን ብቦምብን እናተቐባበሉ እንትዛረዩላ ዓለም ካብ ቃል ብዝዘለለ ተግባር ተሓታትነት ገበነኛታት ተፈፃሚ ንኸይኸዉን ኣብ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ዉዒሉ ሓዲሩ ብታሪኽ ተሓተቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብዚ ሰሙን ኣብ ለንደን እዉን ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ብዘይወዓል ሕደር ናብ ዓለም ለኸ ገበነኛታት ቤት ፍርዲ ንኽቐርቡ ዝሓትት ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ብተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ሃገረ ኢንግሊዝ ድሙቕ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብዪን ኢሳያስን ናብ ፍርዲ ይቕረቡ፣ ትግራይ ጠምያ ኣላ፣ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ይከፈቱ፣ ሰብ ሰራሕ ጥምየት የብቅዕ፣ ሰራዊት ኤርትራን ምሊሻ ኣምሓራን ካብ መሬት ትግራይ ይዉፅኡ፣ ኣሜሪካ፣ ኢንግሊዝ፣ ሕብረት ኣዉሮፓ ብህፁፅ ስጉምቲ ይዉሰዱ ዝብሉን ካልኦትን ድምፅታት በቲ ቋንቋ ናይቲ ዓድን ቋንቋ ኢንግሊዘኛን ብምጥቃም ኣቃሊሖም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ትግራይ ደብዳባት ኣየርን ከምብሓዱሽ ዝተወለዐ ገበን ጆኖሳይድ ጠጠዉ ንኽብል ዝፅዉዕ ሰልፊ እናተኻየደ መፅዩ እዩ።

ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይ ካብቶም ዉፅኢት ዕዉት ዝኾነ ዕማም ዲፕሎማሲ ሓደ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።