ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ኣብ ኣፍ ሞት ንዘለው ወገናት ንምድሓንን ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስን ካብ ማእከላይ ፈንድ ህጹጽ ጊዜ 25 ሚልዮን ዶላር ከምዝሰለዐ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት “ኦቻ” ማርቲን ግሪፍትስ ሓቢሩ።
ከምኡ እውን ተወሳኺ 15 ሚልዪን ዶላር ዝቐረበ ኮይኑ ንትግራይ ሓዊሱ ንረዲኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ከምዝውዕል ገሊፁ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓኾ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ልዕሊ 7 ነጥቢ 1 ሚልዮን ዜጋታት ተፀበይቲ ህፁፅ ረዲኤት ንክኾኑ ከምዝገበረ ሕቡራት ሃገራት ኣረዲኡ።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ሓላፊ ኦቻ ግሪፍትስ፡ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ቁፅሪ ተሓገዝቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ይመፅእ ከምዘሎን እዚ ሓገዝ ገንዘብ ድማ ትካላት ረድኤት ነቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ወገናት ሓለዋ ንኽገብሩን ረድኤት ንከቕርቡን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
እንተኾነ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ንዝገብሮ ፈተነ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ሕጽረት ከምዘጋጠሞን ኣብ ትግራይ ጥራይ ንንጥፈታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል ተወሳኺ 350 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።