ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሕዚ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ኣብ ጠረጴዛ ክፈትሑን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኩናት ደው ክብልን ክሰርሓ ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ፀዊዓ፡፡
ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ቅድሚ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምውልዑ ዝተፈጠረ ፀገም ብዘተ ክፍታሕ ብውልቀን ብጉባኤ ትካላት ሃይማኖትን ብተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም ክተቕርብ ምፅናሓ ዋና ፀሓፊ ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ወንጌላዊ ምሕረትኣብ ብርሃነ ሓቢሩ፡፡
ፃውዒት ሰላም ተሓሲሞም ናብቲ ኩናት ተሃንዲዶም ዝኣተው ፋሽሽታውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል በደላትን ግፍዕን ከምዘብፅሑውን ኣረዲኡ፡፡
መቐፀልታ እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ቅትለት፣ ምፅናት ዘርእን ምምዝባልን ካልኦት ኣሰከፍቲ ግፍዕታትን ደው ክብል ፀዊዓ።
ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝበፅሕ ዘሎ እስራትን መርሸንትን ብህፁፅ ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ወንጌላዊ ምሕረትኣብ ኣረዲኡ፡፡
ብተወሳኺ ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ብዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ነፈርቲ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ከምዝኾኑን ወንጌላዊ ምሕረትኣብ ገሊፁ።
ህዝቢ ብክባን ዕፅዋን ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ኣካይዳን እውን ፍታሕ ክግበረሉ ማሕበረሰብ ዓለም እውን የተሓሳስበና ኣሎ ካብ ዝብል መተሓሳሰቢ ሓለፈን ዝከኣለን ክፍፅማ ኣገንዚቡ፡፡
ኣባላት ኣመራርሓ ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርካባ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝትግበር ዘሎ ምፅናት ዓሌት ደው ኢሉ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ብዘተ ንምፍታሕ ክንዲ ምስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ነቲ ኩናት ደጊፎም ነቲ ተግባር ፅድቂ እዩ ብምባል ዝሰብክዎ ስብከትን ዝግበር ተግባር ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣብሪሁ፡፡