ስርዓት ኢትዮጵያ ንግድብ ተከዘ ምድብዳቡ ስዒቡ መብራህቲ ብምጥፍኡ ማይ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ንከቢድ ሓደጋ ምቅልዖም ነበርቲ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣፍሊጦም።
ነባሪት ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሞሞና ወይዘሮ ትርሓስ ገብረማርያም “ማይ ስኢንና ፈቐዶ ገረብ ኣብ ኣለሻ ኢና ኣቲና” ክትብል ገሊፃ።
ከምኡ እውን ርሑቕ መንገዲ ተጓዒዛ ተሓቋኒት ቡንባ ንምቕዳሕ ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት ዓሰርተ ዝመፀት ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ድሕሪ ቀትሪ ወረፋ ከምዝበፅሓ ዝሓበረት ወይዘሮ ትርሓስ ሕፅረት ማይ ኣብ ኣሰካፊ ብርኪ ብምብፅሑ ንማይ ወለድ ሕማማት ከይትቃላዕ ከምትሰግእ ሓቢራ።
ወይዘሮ ኣብርሀት ገብረፃድቕ ብወገና መሰረታዊ ግልጋሎት ህዝቢ ምኽልካል ከምመሳርሒ ኲናት ዝጥቀሙ ዘለው ወረርቲ ሓይልታት “ህዝቢ ናብ ከቢድ ሕፅረት ማይ” ከምዘቃልዕዎ ኣፍሊጣ።
ኣብታ ከተማ ንሓደ ጀሪካን ማይ ክሳብ 5 ቅርሺ ክሳብ ምሻጥ ከምዝተበፅሐ ዝሓበረት ወይዘሮ ኣብርሀት ንሳ ግን ባንኪ ምዕፃው ስዒቡ “ጥረ-ገንዘብ ስለዘይብልና ክንገዝእ ብዘይምኽኣልና ኣብዚ ንልዕሊ ዓሰርተ ሰዓታት ሪጋ ሒዝና ንፅበ ኣለና” ክትብል ገሊፃ።
ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ግድብ ተከዘ ምድብዳቡ ስዒቡ ዝርገሐ ማይ ብኤሌክትሪክ ስለዝሰርሕ ደው ብምባሉ ንከቢድ ሕፅረት ማይ ከምዝተቓልዑ እተን ነበርቲ ተዛሪበን።
መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝተነበረ ዕፅዋ ንምብርዓን ፍልፍል ሓይሊ መብራህቲ ግድብ ተከዘ ብምጥቃም ግልጋሎት መብራህቲ ክህብ ድሕሪ ምፅናሕ እቲ ግድብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምድብዳቡ ስዒቡ ንመቐለ ሓዊሱ መላእ ትግራይ መብራህቲ ምጥፍኡ ዝዝከር እዩ።