ሱዳን፡ ንዕጡቓት ትግራይ ትሕግዝ ያ ተባሂሉ ዝቐረበላ ክሲ ከምዘይትቕበሎ ሚኒስትር ጉዳያት ሱዳን ገሊፁ።

ሱዳን ንዕጡቓት ትግራይ ከለላ ትኸውንን ትሕግዝን እያ ብዝብል ማዕከን ሬድዮ ኢትዮጵያ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ሓቢሩ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ውሽጣዊ ወተሃደራዊ ጉዳያት ብምዝማድ እቲ ብማዕከናት ዜናታቱ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ሱዳን ኒውስ ኣቃሊሑ።

ብተወሳኺ ሱዳን ምስ ኩለን ጎሮባብቲ ዓድታት ፅቡቕ ዝምድና ከምዘለዋን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዓድታት ኢድ ኣታውነት ንዘይምግባር ተባዕ ውሳነ ከምዘለዋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዶባት ከባቢ ልሙዕ መሬት ኣልፋሽቃ ውጥጥ ከምዘለወን ዝፍለጥ እዪ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ኣልፋሽቃ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ፡ ሱዳን ብወገና ብሮኬት ዝተሓገዘ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳዳ ይዝከር።

ሱዳን፡ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወራር ድሕሪ ምፍፃሞ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለ ንኣስታት 76 ሽሕ ህዝቢ ዖቕባ ዝሃበት ፈታዊት ትግራይ እያ።