ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ፀዊዑ።

ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ምምሕያሽ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብዚ ሓገዝ ንዝነጥፋ ሓገዝቲ ሃገራት ኣመስጊኑ ኣሎ።

ኮይኑ ግና እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ብምብራኽ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ናብ ዝርርብ ምእታው ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

ስለዝኾነ እውን ክልቲኦም ሓይልታት ነቲ ግጭት ናይ ሓዋሩ ዘላቒ ፍታሕ ምፍጣር ዝሓሸ እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ከምኡ እውን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓነው መሰረታዊ ኣገልግሎታትን መስመራት ርክብን ትግራይ ናብ ንቡር ክምለሱ ፃዕሪ ክግበር፣ ንዅሉ ዝሓቍፍ ዝርርብ ክጅመርን ፀዊዑ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ንዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ክህሉ ከምዘለዎ ኣብቲ መግለፂኡ ኣተሓሳሲቡ።