ትግራይዋይ ዶክተር ዘሪሁን ኣበበ ዋና ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ሩዋንዳ ኮይኑ ክመርሕ ተሓርዩ።

ትግራዋይ ዶክተር ዘሪሁን ኣበበ ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ኣብቲ ዝዓበየ መንግስታዊ ሆስፒታል ኪንግ ፋይሳል ሪፈራል ሆስፒታል ዋና ዳይሬክተር ኮይኑ ከምዝተሓረየ እቲ ሆስፒታል ኣፍሊጡ።

ዶክተር ዘሪሁን ናብዚ መዝነት ዝበቕዐ፡ ምስ ካልኦት ነዊሕ ተሞክሮ ዘለዎም ሰብ ሞያ ሕክምና ተወዳዲሩ ብምስዓር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዶክተር ዘሪሁን ኣበበ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብሓፈሻዊ ሜዲካል ፋካሊቲ ዝተመረቐ ክኸውን ከሎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዲን ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ዘበኑ ድማ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ምስ ብዙሃት ዓለም ተኸ ትካላት ዘላለየን ብሉፅ ቴክኖሎጂ ክዓጥቕን ከምዝገበረ ይግለፅ።

ከምኡ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ፍሉጥ ሜዲካል ኮሌጅ ቅዱስ ጳውሎስ ሚሊንየም ሜዲካል ኮሌጅ ንነዊሕ ዓመታት ብምግልጋል እዳሰርሐ ከምዝፀንሐን በቢግዚኡ ተሸላሚ ውፂኢታዊ ስራሕ እናኾነ ከምዝመፀን ዝፍለጥ ኮይኑ ድሕሪ ምምፃእ ኣቢ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ይዝከር።

ኣብ ዘበነ ስልጣን ኢህወደግ ዝሐሸ ዓቕምን ሞያን ዝውንኑ ተጋሩ ካብ ትግራይ ናብ ፌደራል ብምግዓዝ ትግራይ ክትዳኸምን ማዕሮ ካልኦት ከይትስጉምን ብምግባር ነቲ ስርዓት ብዙሓት ይነቕፉዎ።