እቶም ቁፅሮም ብንፁር ዘይተፈለጠ ወተሃደራት ኤርትራ ብሸነኽ ገርሁ ስርናይን ብዛላምበሳን ናብ ትግራይ ከምዝኣተው ተሌቭዥን ትግራይ ፀብፂቡ።
እቶም ናብ ትግራይ ዝኣተው ወተሃደራት ኤርትራ ብሰራዊት ትግራይ ጽቡቕ ምግያሽ ከም ዝተገብረሎም እውን ሓቢሮም።
እቶም ንመዋእል ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣንጸርጺሮም ዝኣተዉ ወተሃደራት፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ናይ ሻቕሎት ኩነታት ከም ዝርከቡ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ቁጽሪ ካብ ኤርትራ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣትዉ ወተሃደራት እናወሰኸ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መብዛሕቲኦም ተወለድቲ ዓፋር ዘለውዎም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ብሸነኽ ባዳ ናብ ትግራይ ከምዝኣተው ውድብ ፌዴራልስት ዓፋር ምግላፁ ይዝከር።