ብመንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ከሙኡ እውን ብፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክተጻሪ ብፕሬዝደንት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት ፈደሪኮ ቪለጋስ( ኣርጀንቲና) ተመዚዛ ዝተሾመትን ንትሸዓተ ዓመታት ዓቃቢ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ( international criminal court) ኮይና ዘገልገለት ፋቱ ቤንሱዳ ካብ መዝነታ ብዓርሰ ፍቃዳ ከምዝወረደት ኣፍሊጣ።
እቲ ብውሳነ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዚ ዓመት ክትመርሕ ተሸይማ ዝነበረ ፋቱ ቤንሱዳ ነቲ ቦታ ንምልቃቅ ከም ምክንያት ዝኾና ብመንግስቲ ጋምቢያ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኣብ ኢንግሊዝ ኮይና ምሻማ ስዒቡ ከምዝኮነ ኣብ ዝፀሓፈቶ መልቀቂ ደብዳቤኣ ሓቢራ።
ብመንግስቲ ጋምቢያ ነዚ ሓላፍነት ምሻማን ክህልው ዝክእል ናይ ጥቅሚ ጎነፅ ንምትራፍን ካብ መዝነታ ብዓርሰ ፍቃዳ ከምዝወረደት ዝሓበረት ፋቱ ቤንሱዳ ኣብ ቀፃሊ ብዝከኣል ኩሉ ንምሕጋዝ ድልዊት ከምዝኾነት ንፕሬዝደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፈቶ ዕላዊ ደብዳቤ ኣፍሊጣ።
ተወላዲት ሃገረ ጋምቢያ ዝኾነት ፋቱ ቤንሱዳ ዓቓቢ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኮይና ንትሸዓተ ዓመት ዘገልገለት እንትኸውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝተጣየሸ ኣብ ትግራይ ናይ ዝተፈፀሙ ገበናት ዘጻሪ ኮምሽን ኣባልን መራሒትን ኮይና ክተገልግል ፀኒሓ እያ።
ብተመሳሳሊ ዜና ፕሬዝደንት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት ፈደሪኮ ቪለጋስ ንካሪ ቤቲ ሙሩንጊ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንክምርምር ናይ ዝተጣየሸ ኮሙሽን ኣደ መንበር ጌሩ ከምዝሸመ ዕላዊ ጌሩ።
እዚ ሽመት እቲ ኮሙሽን ካብ ዝጣየሽ ንነዘ ብኣደ መንበር ክትመርሕ ዝፀንሐት ጋምቢያዊት ፋቱ ቤንሱዳ ካብ መዝነታ ብዓርሰ ፍቃድ ምውራዳ ስዒቡ ዝመፀ እትኸውን ተራ ኣባል እቲ ኮሙሽን ዝነበረት ቤቲ ሙሩንጊ ኣደ መንበር ክትኸውን ከምዝተሸመት ተሓቢሩ።
እቲ ሰለሰተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሙሽን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተጣየሸ እንትኸውን ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ድማ ፋቱ ቤንሱዳ፣ ቤቲ ሙሩንጊን ስቴቨን ራትነርን ኣባላት እቲ ኮሙሽን ኮይኖም ብፕሬዝደንት ቤት ምክሪ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ሕብረት ተሓርዮም ክሰርሑ ፀኒሖም እዮም።
ፋቱ ቤንሱዳ ካብ ሓላፍነታ ምውራዳ ሲዒቡ እቲ ሰለሰተ ኣባላት ዘለዎ ኮሙሽን ሓደ ሰብ ክትክእ ዝግባእ እንትኸውን ፕሬዝደንት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት እቲ ሳልሳይ ኣባል እቲ ኮሙሽን ኣብ ቐረባ ዕላዊ ክገብሩ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ስዒቡ ብኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራትን ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሓባራዊ ምጽራይ ክግበር ተወሲኑ ዝነበረ ዋላ እዃ እንተነበረ እቲ ድሕሪ ዝቐረበ ሻራዊ ፀብፃብ እቲ ሓባራዊ ኮሚቴ ግን ገለልተኛ ዓለም ለኻዊ ኣጻራይ ኮሙሽን ክጣየሽ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተወሰነ ይዝከር።