ንስርሒት ሓንቲ ክፍለ ሰራዊት ትግራይ ከም ኣብነት ጌራ ዝተፅሓፈት “ንሕና እናሃለና ህዝቢ ትግራይ ኣይትበርስን” ብዝብል ዝተሰየመት መፅሓፍ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ መቐለ ተመሪቓ።
እታ መጸሓፍ ነታ ክፍለ ሰራዊት ከም ኣብነት ብምውሳድ መስተንክርራዊ ቃልሲ ህዝቢን ሰራዊት ትግራይን ዘቐመጠት እንትኸውን ኣብቲ ሰነ ስርዓት ምረቓ ንጀነራል ወዲ ወረዳን ጀነራል ጻድቃንን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ከምዝተረኸቡ ድምፂ ወያነ ትግራይ ፀብፂባ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ መደረ ዝገበረ ተጋዳላይ ጀነራል ወዲ ወረደ ኣብ ኣጸጋሚ ኹነታት ኮይንኹም ምጽሓፍኹምን ምስናድኹም ዓብይ ክብሪ ኣለኒ ካልኦት እውን ታሪኽ ሰራዊትን ህዝቢ ትግራይን ክስንዱ ከምዝግባእ ፀዊዑ።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ስዒቦ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ በደልን ገበንን ዝተፈፀመ ኮይኑ እቲ ዝበጸሐ ጨፍጫፍን ገበንን ከሙኡ እናተገበረ ዝርኸብ መስተንክራዊ ቃልሲ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ተሰኒዱ ክሰጋገር ዝተፈላለዩ መፅሓፋት እናተመረቃ ይርኸባ።
ኣብ ቀረባ እዋን “ኣቅመራ”፣ “ምጽኣት” “ንሕና እናሃለና ህዝቢ ትግራይ ኣይበርንስን” ዝብላ መጸሓፍቲ ዝተመረቃ እንትኸውን “ከመይ ኢልና ንደቅስ?” እትብል መጸሓፍን ካልኦት ድማ ኣብ ቐረባ እዋን ንምሕታም ምድላዋት ከምዘሎ ይግለፅ።