ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጽባሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ካብቶም ኣባላት ዝቐረብሉ ሕቶ ከምዝምልስ ኣዲስ ስታንዳር ፀብፂቡ።

ኣብቲ ፅባሕ ዝግበር ዋዕላ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ህልው ኩነታት እታ ዓዲ ኣመልኪቶም ሕቶታት ከምዘቅርቡን ርኢቶታቶም ከምዘቅምጡን ካብቲ ባይቶ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ፅባሕ ዝሳለጥ ዋዕላ ብቐጥታ ብቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ ኮይኑ ላዕለወት ተወከልትን ኣባሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ከምዝርኸቡ ዝወፁ ሓበሬታት የመላኽቱ።

እዚ ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ላዕለወት ሰበ ስልጣን ኣምሓራ፣ ፋኖን ጋዜጠኛታትን ፖለቲካ ኣምሓራን ዝወሰዶ ተከታታሊ ማእሰርቲን ስጉምቲ ስዒቡ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ፈለማ ዋዕላ እዩ።

ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ መንጎ ኣባላት ብልጽግናን ሰበ ስልጣንን ኢትዮጲያ ምክፍፋል ከምዘሎ ዝወጹ ሓበሬታት ዘመላክቱ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ዝወሰዶ ስጉምቲ መዘራረቢ ኮይኑ ቀንዩ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝወፁ ዘለው ናይ ዘተን ሽምግልናን ሓባሬታትን ኣመልኪቱ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዕላዊ ኣወንታዊ ርኢቶ ዘይተወሃበ እንትኸውን ኣብዚ ኣመልኪቱ ዝወሃብ ርኢቶ ክህልው ትፅቢት ይግበር።

እቶም ካብቲ ቤት ምክሪ ዝቐርቡ ሕቶታትን ርኢቶታን ማዕልታት ቀዲሞም ንእቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክበፅሕዎ ዝግበር ኮይኖም ኣብቲ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዋዕላ ነቶም ቀዲሞም ዝበጽሕዎ ሕቶታት ዝተጸነዐን ዝተሓሰበን መልሲ እዩ ክህብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣህመድ ብተኸታታሊ ኣብ ጉዳይ ትግራይን ህልው ኩነታት ኢትዮጲያ ኣመልኪቱ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ክሕስው ዝተለደ ኮይኑ ኣብቲ ናይ ፅባሕ ዋዕላ እውን ተመሳሳሊ ባህሪን ተግባርን ከምዝህልው ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

ትግራይ ኣብቲ ቤት ምክሪ ኢትዮጲያን ዝኾነ ይኹን ኣካል መንግስቲ ውክልና ዘይብላ ምዃና ይፍለጥ።