ስልጣነ ትግራይ ንምምንጣል ዝካየድ ወራር ብዘላቕነት ንምውሓስ ምስረታ ሃገር ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ካብተን መስረትቲ ስልጣነታት ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ትግራይ ንዘመናት ዓቂባ ዘፅነሐቶ ሃገረ መንግስትነታ ኣሕሊፋ ኣብ ዝሃበትሉ ቅፅበት ሃላዋታ ዝፈታተኑ ተደጋጋሚ ወራራት ኣጋጢሙዋ።

ኣብ መድረኽ ናፅነት ትግራይ መዛተዪ ፅሑፍ ዘቕረበ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶ/ር ደጀን መዝገበ ብመርኣዪታት ወጣኒነት ስልጣነ (primordialist theory) ትግራይ ብስልጣነታት ዝማዕበለ ምውርራስ ስርዓተ መንግስቲን ፍሉይ ሕብረተሰባዊ መስተጋብርን ከምዝነበራ ኣረዲኡ።

ብመለክዒታት ወጣኒነት ስልጣነ ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ፣ ባህላውን ታሪኻውን ምውርራስ ስልጣነታት ከምኡ እውን ብወተሃደራዊን ንዋታዊን ምርኮሳ “ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢምፓየር ዝተሓበአት ክልል ከይኮነትስ ዓርሳ ዝኸኣለት ሃገረ መንግስቲ ክትከውን ከምዝግባእ” ዶ/ር ደጀን ተዛሪቡ።

ድሕሪ 18 ክፍለዘመን ብዝመፀ መለክዒታት ስነ-ሓሳብ ዘመናውነት ብሄር ማለት ኣብ ምኽታምን ምዕባለ ኢንዳስትሪን ዝተደረኸ ምስረታ ሓደ ፖለቲካ-ቁጠባዊ ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ኣብ ዓለም መለክዒታት ስነ-ሓሳብ ዘመናውነት ብምምላእ መንግስቲ ዝመስረታ ሃገራት ውሑዳት ከምዝኾና ዝጠቐሰ ዶ/ር ደጀን መዝገበ ትግራይ እውን “ዴሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ምዕባለን ከተማነትን ከምኡ እውን ዓርሱ ዝኸኣለ መንግስቲ ዘይብላ ግን ድማ እዚኦም ክህልውዋ ትፅዕር” ከምዘላ ገሊፁ።

ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢምፓየር ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ግዝኣት/ክልል ኮይና ካብ ትቕፅል ጀሚሩ ኢትዮጵያ ውርሲታት ስርዓተ ምሕደራን ስልጣነን ተጋሩ ብምምንጣል ተጋሩ ክተጥፍእ ተደጋጋሚ ፃዕርታት ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።

ስርዓተ ምሕደራ፣ ቋንቋ፣ ስርዓተ ፅሕፈትን ፊደልን፣ ካላንደርን ካልኦት ሕብረተሰባዊ ክብርታትን ንምስረታ ኢትዮጵያ ዘበርከተት ትግራይ ዘርኢ ሰለሞናዊ ንግስና ብዝብል ሓቲት ስልጣነታታ ብምውራስ ዝተዋደደ ትልሚታት ምጥፋእ ትግራይ ከምዝተኻየደ እውን ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ ንትግራይ “ስልጡን ስርዓተ መንግስታ ብምፍራስ ግዝኣታዊ ሓድነታ ንባዕዲ ኣሕሊፋ ብምሃብ ሓድነት ተጋሩ ብምክፍፋል እቲ ሐዚ ንርከበሉ ብርኪ ምጥፍፋእ ክንወድቕ” ከምዝገበረት ዶ/ር ደጀን ኣብሪሁ።

ናይዚ መርኣዪ እውን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓድጊ ትግራዋይነት ንምጥፋእ ፖለቲካዊ ሕፅቦ ብዝብል ቴማ ትግራይ ንምውራር ምስታ ኩሉግዜ ንጥፍኣት ተጋሩ ክትሰርሕ ዝፀነሐት ኢትዮጵያ መኺሩ ከምዝወፈረ ጠቒሱ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣለም ባራኺ “ትግራይ ንዓለም ዘበርከተቶ ስልጣነታት ከምመበገሲ ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮይንና ክነሳኽዖ ካብ ንሓስቦ ምዕባለን ዴሞክራሲያዊነትን ነጥፈኦ እሴታት ፍትሒን ስልጡን ኣምራት ስርዓተ ምሕደራን ይበዝሕ” ስለዘሎ ንሃገርነት ትግራይ ዝግበር ምንቅስቓስ ምውዳድ ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ “ተጋሩ ተቓሊሶም ኣብኡ ተዋሒጦም ዝተርፍሉ ምኽንያት ንፅረት ስለዘየለ ክሳብ ሐዚ ክካየድ ዝፀነሐ ቃልሲ ተጋሩ እታ ብታሪኽ ኣካል ግዝኣቶም ዝነበረት ኢትዮጵያ ናተይ ኢምፓየር እያ ንምባል ድዩ ወይስ ትግራዋይ ስርዓተ መንግስቱ ንምምላስ ዝዓለመ እዩ ዝብል” መካትዒ ነጥቢ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ዓብለሎም መለስ ቃልሲታት ወያነ ትግራይ ፅቡቕ መበገሲ ሒዞም ከምዝጀመሩ ብምጥቃስ ብከይዲ ድሌት ስልጣንን ወድዓዊ ምኽንያትን ብምልዓል ኣብ ህንፀት ኢትዮጵያ ጉልበቶም ከምዝወድኡ ጠቒሱ።
ዶ/ር ገብረፃድቕ በርሀ ብወገኑ “ሃገረ መንግስትነት ንምሕታት ልዕሊ እቲ ታሪኻዊን ባህላውን ድሕረ-ባይታ እቲ ሐዚ ዘሎ ወድዓዊ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ትግራይን ጠለብ ህዝቢ ትግራይን ጠመተ ክወሃቦ” ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

ኣባል ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣይተ ክብሮም ኣለምሰገድ እቲ ብመስዋእትነት ተጋሩ ዝተመስረተ ሕገመንግስቲ ንተጋሩ ዝረብሕ ኢልካ ዝውሰድ ከምዘይኮነ ብምሕባር ውሳነ ወሃባይነት ብዙሓን ዘተባብዕን ትግራይ ምንጪ ምስረታ ሃገርነት ኢትዮጵያ እናሃለወት ብበዝሒ ህዝቢ ዓዲ ውሑዳን ተጌራ ክትሰኣል ከምዝገበረ ሓቢሩ።

ኣባል ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣይተ ግርማይ ገብረሚካኤል ብከይዲ ዝተፈጠረ ጌጋታት ወለዶታት ትግራይ በዚ ደረጃ ዋጋ ክኸፍሉ ከምዝገበረ ብምርዳእ ሎሚ ናፅነት፣ ውሕስና ሕጊን ዴሞክራሲያውነትን ንምህናፅ ትፅዕር ሃገረ ትግራይ ንምህናፅ ምጥቃም ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

ኣመራርሓ ውናት ዶ/ር ገብረመድህን ሮምሃ “ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ስልጣነታት ትግራይ ነቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ንምቕያር ከመይ ክንጥቀመሉ ይግባእ” ኣብ ዝብል ነጥቢ ብልዝብ ሓበራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ባህጊ ትግራይ ንምግሃድ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ውድቀት ተጋሩ ጥንካረ ፀላእቲ ከይኮነስ ውሽጣዊ ድኽመታትን ቃልሲ ትግራይ ተዓዊቱ ተባሂሉ ናብ ሽዋ እንተምርሕ ኣብኡ ተዋሒጡ ዕላምኡ ክርስዕ ዝገበርዎ ምኽንያታት ምፍታሽ ከምዘድሊ ጠቒሶም።