ፕረዝደት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረ ሚካኤል ንፕረስደንት እቲ ካውንስል ኣምባሳደር ፌዴሪኮ ቪላጋስ ኣብ ዝለኣኽዎ ግልፂ ደብዳበ አብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝተፈፀሙ ኩለመዳያዊ ገበናት ፈፀምቱ ናብ መጋባእያ ዓለም ኣብ ምቕራብ እቲ ኮውንስል ብዕቱብ ክሰርሓሉ ይግባእ ኢሎም።
ወረርቲ ሓይልታት ኤርትራ ልኣላውነት ትግራይ ብምጥሓስ ሰፋሕቲ ንምእማኑ ዝኸብድ ገበናት ከምዝፈፀሙን ሕዚውን መሬት ትግራይ ብሓይሊ ጐቢጦም ከበድቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ዓለም ለኸ ገበና እናፈፀሙ እዮም ክብሉ ከሲሶም።
ብተወሳኺ ቀፃሊ ዝኾነ ተግባራት ምፅናት ህዝቢ ብተላፈንቲ ወርቲ ሓይልታት ይፍፀም ከምዘሎ ነዚ ዝመጣጠን ስጉምቲ ከብቲ ካውንስል ትፅቢት ከምዝግበርን ካልኦት ዛዕባታትን ዝሓዘ እዩ ተባሂሉ።
ቤት ምኽሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቀረባ መዓልታት፣ ንሚስ ኬኣሪ ቤቲ ሓዳሽ ኣዶ መንበር ኮሚሽን ምፅራይ ኲናት ትግራይ ገይሩ ምሿሙ ይዝከር፡፡
እዚ ዝኾነሉ ድማ እተን ቅድሚአን ተሸይመን ዝነበራ ኣዶ መንበር ፋቱ ቦንሶዱ ላዕለወይቲ ተፀዋዒት #ጋምብያ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኮይነን ብሃገረን ስለዝተሾማ ፕረዚደንት ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣርጀንቲናዊ ኣምባሳደር ፌደሪኮ ቪለጋዝ ድማ ንኬንያዊት በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሚስ ኬኣሪ ቤቲ ኣዶ መንበር ኮሚሽን ምጽራይ ኲናት ትግራይ ኮይነን ክመርሓ ከምዝሓረየን መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ እዩ፡፡
ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኩለንተናዊ ግፍዕታትን ዘፃሪ ጉጅለ መርማሪ ኣብ ታሕሳስ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዘጣየሸ ኮይኑ ነቲ ኮምሽን ንክመርሑ ድማ ንጋምብያዊት ፋቱ ቦንሶዱ፣ ንኬንያዊት ኬኣሪ ቤቲን ንኣሜሪካዊ ስቴቨን ራትነርን ከምዝመዘዞም ይፍለጥ፡፡