ብሕፅረት ናውቲ ሕክምና፣ መድሓኒትን ሕፅረት መብራህትን ካብ ሃንደበታዊ ጉዳያት ወፃኢ ስርሑ ደው ከምዘበለ ዝገለፀ ሆስፒታል ዓይደር ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሶም ይሕከሙ ዝነበሩን ንሃንደበታዊ ሕክምና ዝኣየዉን 11 ህፃውንቲ ሓዊሱ 32 ሰባት ከምዝሞቱ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም ገሊፁ።
ዶክተር ክብሮም ምስ ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፡
“መብዛሕቲኦም ኣብዚ ዘይነደቅሶም ስለዝኾኑ ናብ ገዝኦም ከይዶም እዮም ዝዓርፉ። ኣባና ስለዘይኮኑ እቲ ቁፅሪ ክንድዚ እዩ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን። ግን ዝኾነ ናይ ሕክምና ርዳእታ ተዘይተገይሩሎም ነዊሕ ግዜ ክፀንሑ ዘይኽእሉ ምዃኖም እናፈለጥና ኣብዚ ኣእቲና እውን ምንም ነገር ስለዘይንገብረሎም ንገዝኦም ብህይወት እናሃለዉ ክኸዱ ነቶም ቤተሰብ ነጊርና ንምልሶም ተሓከምቲ ነይሮም እዮም።” ክብል ይገልፅ።
ካብቶም ህይወቶም ዝሓለፈ 11 ህፃናት እቶም 10 ትሕቲ 10 መዓልትን ብዘይምቁራፅ ሙቐት የድልዮም ዝነበሩን እዮም።
ኣብቲ ሆስፒታል ብሕፅረት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ካብ ዝሞቱ 32 ሰባት ድማ እቶም 8 ብሕፅረት ኦክስጅን ዝሞቱ ከምዝኾኑ ዶክተር ክብሮም ገሊፁ እዩ።