ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ጋምቤላን ሎሚ ወጋሕታ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘካየዱ ተገሊፁ።

ኣብ ዋና ከተማ ክልል ጋምቤላ ሎሚ ሰሉስ 7 ሰነ 2014 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ግምባር ናፅነት ጋምቤላን ብሓባር ዕውት ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።

እቶም ካብ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 11፡30 ጀሚሩ እቶም ሓርነታውያን ተቓለስቲ ዳርጋ ንፍርቂ ክፋል እታ ከተማ ከምዝተቖፃፀሩ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ነበርቲ እቲ ከተማ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ እቶም ዕጡቓት ኣብዚ እዋን ን ቤት ፅሕፈት እቲ ምምሕዳር ንምቁፅፃር ዝዓለመ ተዂሲ እናካየዱ ይርከቡ።

ኣብዚ ስርሒት ግምባር ናፅነት ጋምቤላን ግምባር ናፅነት ኦሮምን ብሓባር ኣንፃር ስርዓት ኢትዮጵያ ከምዝተላዓሉን ዒላምኦም ድማ መራሕትን ሰራዊትን ብልፅግና ጥራይ ምዃኖም ብምግላፅ ሰላማውያን ሰባት ተባራሪ ጥይት ከይረኽቦም ካብ ገዛ ንከይወፁ ግምባር ናፅነት ጋምቤላ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ ኣፍሊጡ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከተማ ከምዝገለፅዎ መንግስታዊ ስራሕቲ፣ ንግዳዊ ንጥፈታትን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ከምዝተቓረፀ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ዝርከበሉ ከባቢ ድማ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኣክል ዝቐፀለ ተኹሲ ይስማዕ ከምዘሎ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ኣቶ ኡሞድ ኡቦንግ ” እንህቦ ሓበሬታ የለን” ክብል ንቢቢሲ ሓፂር መልሲ ከምዝሃበ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክውንኑ ዝብህጉ ሓርነታውያን ተቓለስቲ ካብ ግዘ ናብ ግዜ እናተበራኸቱ ይመፁ ከምዘለው ዝፍለጥ እዩ።