መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘተ ሰላም ብሓሙሽተ ነጥብታት ኣይዋገን ኢሉ።

ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ትማሊ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቡ።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም፡ ትኹረት ሂቦም መብርሂ ዝሃቡ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተጀመረ ዘተ የለን ክብሉ ገሊፆም።

ኮይኑ ግና ኣብቲ ናይ መጀመርታ ብርኪ ስምምዕ፡ ኲናት ደው ኣብ ምባልን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክኣቱ ምግባርን ዝብል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እንተኾነ እዚ እውን መሊኡ ከምዘይተተግበረን ብርክት ዝበሉ ፀገማት ከምዘለውዎን ኣብሪሆም።

ኣብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ቀፃሊ ንምክያድ ዝተሓሰበ ዘተ ሰላም ከምዝበሉዎ ትግራይ ብመሰረቱ ንሓሙሽተ ነጥብታት ናብ ዋጋን ዕዳጋን ኣይተእትዎን ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን ኣቐዲምና ከም መንግስቲ ትግራይ ዘይንዋገየለን፡ ጉዳይ ሪፈረንደም፣ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ቀፃልነት ስራዊት ትግራይ፣ ተሓታትነት ገበን ጆኖሳይድን ካሕሳ እቲ ዝበፅሐ ጆኖሳይድን ብምባል ኣረጋጊፆም።

ብዝሓት ወገናት መንግስቲ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ኣዚዩ ዝዘንገዐ፣ ኣሳታፍነት ፖሎቲካውያን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ዘይብሉን ግልፂ ዘይኮነን እዩ ብምባል ክነቕፍዎ ምፅንሖም ዝዝከር እዩ።