ነበር ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ተሸላሚ ሽልማት ሎሬት ሕርሻ ኮይኖም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብ ብዝተፈላለየ ጀረጃ ሓላፍነት ክሳብ ፕረዚዳንት ኮይኖም ዘገልገሉ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ተዓዋቲ ሽልማት ሎሬት ሕርሻ ከምዝኾኑ ሓደ ዓለምለኻዊ ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ዓለምለኸ ማሕበር ኮንፌደረሽን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስነ ሂወትን ሕርሻን ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል፡ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብመዳይ ምርምር ሕርሻ ብዘካየድዎ መፅናዕትን ውፂኢቱን ተሸላሚ ከምዝገበሮም ሓቢሩ።

ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይሊ፡ ነዚ ተሸላሚ ሎሬት ምርምር ሕርሻ ክኾኑ ዝበቕዑ ምስ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻውያን ተመራመርቲ ብምውድዳርን ብምስዓርን እዩ።

ፕሮፌሰር ምትኩ፡ ብቀንዱ ብዘበርከትዎ ሳይንሳዊ ምርምራት ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብዘወፈይዎ ልዑል ኣበርክቶ ነቲ ዓለምለኸ ሽልማት ከምዝተበርከተሎም ተገሊፁ።

ፕሮፌሰር ምትኩ፡ ካብ ምምስራትን መሪሕነት ምሃብን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ጀሚሩ ክሳብ ተመራማርነት ብርክት ስራሕቲ ዘወፈዩ ብሉፅ ትግራዋይ ሙሁር እዮም።