ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ፓሎቲካዊ ዛዕባ ከምዘይብሉ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊፁ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፓሎቲካዊ ዛዕባ ከምዘይብሉ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ትውተር ገፁ ፂሒፉ።

ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት፡ ከቢድ ስቓይ ንዝበፅሖ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምሕጋዝ ጥራሕ ከምዝኾነ ጉተረዝ ኣብሪሁ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኲናት ደው ንኽብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኩሉ ከባቢ ከምዝበፅሐ ንምርግጋፅን ኩሉ ዓይነት ተግባር ከምዝግበር ኣተሓሳሲቡ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነዚ ዝበለ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ውሽጣዊ ጉዳያተይ ኢዶም ኣእትዮም ብዝብል ተዋስኦ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ምብራሩ ሲዒቡ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ናይ ምብራር ስልጣን የብሉን ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር ከይኑ በቲ ውሳነ ከምዝሰምበደ ምግላፁ ይዝከር።