ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንፍሉጥ ስነ ጥበባዊ ኣቤል ተስፋይ (ዘ-ዊከንድ) ኣምባሳደር ሰናይ ምግባር ገይሩ ሓርይዎ

ዓለም ለኸ ሰነ ጥበባዊ ኣቤል ተስፋይ ምስ ትካል ምግቢ ዓለም ንኽሰርሕ ኣምባሳደር ሰናይ ተግባር ኮይኑ ከምዝተሓረየ ተገሊፁ።

ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ እቲ ድምፃዊ ዝተሓረየሉ ምኽንያት ኣብ መላእ ዓለም ጥምየት ንኸብቅዕ ድምፂ ይኸዉን ስለዘሎ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ቅድም ኢሉ እዉን ስነ ጥበባዊ ኣቤል ተስፋይ ኣብ “BRIT Award 2021 ዓ/ም/ፈ” ብሕታዊ ዓለም ለኸ ወዲ ተባዕታይ ኣርቲስት ተባሂሉ ከምዝተፀወዐ ይፍለጥ።

እዚ ብሕታዊ ኣርቲስት ብዝብል መፀዋዕታ ዝረኸቦ ሽልማት ካብቶም ብሚሊዮናት ዝድመፁ ስራሕቱ ብዝዘለለ ንዝተፀገሙ ወገናት ብዘበርክቶ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምዃኑ እዩ።

ስነ ጥበባዊ ኣቤል፡ እዚ ዓብዪ ሽልማት ድሕሪ ምቕባሉ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኲናት ንዝተመዛበሉ ወገነይን ህዝበይን ዝኻእልክምዎ ሓግዙ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ቀፂሉ እዉን እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልዉላዉ ከምዘሻቐሎን ንኹሎም ተኸተልቱ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ግንዛበ ክፈጥሩን እቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምቕናስ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክገብሩን ፀዊዑ ነይሩ።

ከምኡ እውን ቅድሚ ኣዋርሕ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ንዝተሃሰዩ ወገናት ዝዉዕል ሓደ ሚሊዮን ዶላር ዝለገሰ እንትኾን ኣብቲ እዋን ንሱ ኣብ ዘስመዖ መደረ “ልበይ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ብዝበፅሕ ዘሎ ስቓይ ደምዩ” ምባሉ ይፍለጥ።

እዚ ዓለም ለኸ ስነ ጥበባዊ እቲ ዘለዎ ሙያን ኣፍልጦን ተጠቒሙ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ኩለመዳያዊ ሓደጋ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምቅላዕ ዓብዪ ተራ ዝተፃወተ እንትኾን ብተጋሩን ፈተዉቲ ትግራይን ድማ ዓብዪ ናእዳን ሞሳን ተዋሂብዎ እዩ።