እቲ ንማሕበረሰብ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘቕረብዎ በዓል ሸሞንተ ነጥብታት እማመ ሰላም፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዘላቒ ፖሎቲካዊ ረብሓ ዘሰጋግር ከምዝኾነ ውድባት ሳወት፣ ባይቶናን ውድብ ናፅነትን ገሊፆም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ምፅናት ዘርእን ጅምላዊ ቅትለትን፣ ቁሳውን ቁጠባውን ዕንወት ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ኣካል ክፃረ፣ ኩሉመዳይ ዕፅዋ ክኽፈትን በጀት ክስደድን ፀዊዖም።
ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮም ተጋሩ ክፈትሖም፣ ዝተዓፀው ትካላት ንግዲ ክኽፈትን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ከይዲ ሪፈረደም ትግራይ ክትቅበልን ፀዊዖም።
ሕጂ ዝተረኸበ ዓወት ከምተጋሩ ፖሎቲካዊ ፍልልይ ንጎድኒ ብምግዳፍ ኩሉ ስለዝኸተተ ናብዚ ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።
እቲ ሕጂ ዝተመዝገበን ዝምዝገብ ዘሎን ወተሃደራዊ ዓወት ትግራይ፡ ኣብ ዝኾነ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥን ካብ ጥንቲ ዝፀንሐ ባህላዊ ጥበብ ብሄረ ተጋሩ ከምዝኾነ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ኣረጋጊፆም።
እንተኾነ ዝተረኸብ ወተሃደራዊ ዓወት ብፖሎቲካ እውን ክቕለስ ከምዘለዎን ብሄራዊ ሕቶ ትግራይ ብኣግባቡ ክኽምበት ምግባር ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ከምኡ እውን እትመፅእ ትግራይ ዲሞክራሲያዊት እምበር ኤርትራ ክትከውን ከምዘይምነዩ እቶም ውድባት ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም።