ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ነበር ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንውትድርና ብቑዕ ዝኾነ መንእሰይ ኩሉ ናብ ኲናት ንክኸትት ኣብ ዝፅውዕ መደርኡ፡
“እዚ ፀላኢ እንከይኣጥፋእና ድሕሪ ሕዚ ዕረፍቲ የብልናን። ምኽንያቱ እዚ ህዝቢ ናይ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፀላኢ እዩ። እዚ ህዝቢ ፀላኢ ህዝቢ ኦሮሞ እዩ፣ ፀላኢ ህዝቢ ዓፋር እዩ፣ ፀላኢ ህዝቢ ጋምቤላ እዩ፣ ፀላኢ ህዝቢ ሶማልያ እዩ ስለዝኾነ ድማ ክጠፍእ ኣለዎ።” ክብል ብቕሉዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ዓሌት ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር።
ሰራዊት ትግራይ ግስጋስኡ እንዳሓየለ ብምምፃእ ነቲ ኲናት ካብ ትግራይ ወፃኢ ብምግባር ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምቁፅፃሩ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተጋሩ ቅሉዕ ጨፍጫፍ እናተኣወጀ ይርከብ።
ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ደሴ እናተፀግዑ ምስመፁ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣምሓራ ብዝነዝሕዎ ጎስጓስ ጨፍጫፍ ኣብ ደሴ ዝነበሩ ተጋሩ ንህወሓት ሓበሬታ የቐብሉ እዮም “ኣስተኳሽ” እዮም ብዝብል ምኽንያት ብዙሓት ተጋሩ ተቐቲሎም እዮም። ካብዚኣቶም ኣብ ደሴ ወሎ ዩንቨርሲቲ መምህራን ዝነበሩ ተጋሩ ይርከብዎም።
ከምኡ እውን ሰራዊት ትግራይ ንከተማ ደሴ ምስተቖፃፀረ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲሮምዎም ዝነበሩ 9 ተጋሩ ቐቲሎምዎም ከምዝኸዱ ካብቲ ቦታ ዝበፅሐ መረዳእታ ይገልፅ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሕ ሰዓብቲ ዘለዎም ኣምሓሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ከባቢኹም ዘለው ተጋሩ እረዩ፣ ኣፅርዩን፣ ፃህዩን ዝብል መርዚ ብምንዛሕ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ተበቲኑ ኣብ ዘሎ ትግራዋይ ቅሉዕ ጨፍጫፍ እናጎስጎሱ ይርከቡ።
እዚ ጎስጓሳት ኣዝዩ ሓደገኛን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሞት ዝእውጅን ምዃኑ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናተርአየ ይርከብ። ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዘውር ኣብ ዝተረአየ ምስሊ ሓንቲ ገጠረይቲ ወላዲት ብ ኽልቲኡ ኢደን ነታጒ ኣትሒዞም እንትምርምርወን ንሰን ድማ ኣብ ሓያል ጭንቂ ኾይነን የርእይ።
ብዙሓት ተጋሩ ድማ ካብ መንገዲ፣ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦምን ምግቢ ካብ ዝበልዑሉ ካፌታትን ይጭወዩ ከምዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።