መንግስቲ ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዩ ወራር ዘካየደ ናብ ኣስመራ ሮኬት ስለዝተተኮሰ እነንተይኮነስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ኩለመዳይ ውድቀት ን’ወያነ’ ተሓታቲ ስለዝገብር ከምዝኾነ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት መንቀሊኡ ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብሎ ሰራዊት እዚ ሰሜን ምስተወቕዐ ዘይኮነስ ቅድሚ እቲ ኲናት ንዕኡ ዝዕድሙ ኣካይዳታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኽተል ከምዝነበረ ኣባል ሴንቴራል ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ገሊፁ።

ብፍላይ ድማ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ውድብ ኢህወደግ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ፈሪሱ ብብልፅግና ምትክኡ፣ መረፃ ብእዋኑ ዘይምክያዱ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ቅርሕንቲ እናተፈለጠ ዘይመትከላዊ ርክብ ምክያድ ዝብሉ እቶም ቀንዲ ከምዝኾኑ ጀነራል ፃድቃን ምስ ቴለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ርክብ ክልቲኦም መንግስታት ኣዚዩ ሚስጢራዊ ብዝኾነ ገለ ሃገራት የዕራብ ዘማእኸላኦ ከምዝነበረ፣ እዚ ንጥዕና ከምዘይኮነን ደሓር እውን መረፃ ንዘካየድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተካይዱን ብዝብል እናተጎሃሃረ ከምዝመፀ ኣረዲኡ።

ቀፂሉ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከባብታት ምዕራብ ትግራይ ንምቁፅፃር ሰሜን ምዕራብ እዚ ኣባላት ኮማንዶ ከምዘፀገዐ፣ ብቆቦን ዓፋርን እውን ብርክት ዝበላ ክፍለ ሰራዊታት እቲ ኲናት ከምዘይተርፍ ዘአንፈተ ከምዝነበረ ኣብሪሁ።

ከምኡ እውን እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ እዚ ሰሜን ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ገሊኡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኢ-ሕገመንግስታዊ ገሊኡ ድማ ኣይፋል ኢሉ ትእዛዝ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፅበ ከምዝነበረ ጀነራል ፃድቃል ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ኢሉ ጀነራል ፃድቃን፡ ኣብቲ እዋን መንግስቲ ትግራይ ክልተ ኣማራፂ ማለት እውን ወይ ስቕ ኢዱ ምሃብ ወይ ድማ ነቲ ኩነታት ቀዲምካ ምቁፅፃር እንትኸውን ነዚ ምክልኻል እንትግበር ግን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ከምዝነበረ ኣረዲኡ።

እቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ብፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ገለ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ዝተወሰደ ነብስኻ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ መንቀሊ ኲናት ኢትዮ-ትግራይ ብሃፀይ ሚኒሊክ ዝጀመረ ጉዳይ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ማለት ልዕልነት ባህሊ፣ ታሪክ፣ ቋንቋን መንነትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንምፅዓን ዝብል ባህጊ ኣሃዳውያን ዝፈጠሮ ከምዝኾነን እቲ ኲናት ዝጀመረ እውን ንሳቶም ተዳሊና ኢና ኣብ ዝበሉሉ መዓልቲ ከምዝኾነን ገሊፁ።

ከምኡ እውን ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዝውሩ ብሊሂቃን ኣምሓራ ከምዝኾነን ነዚ ብምጥቃም ሕገ-መንግስቲ ኣፍሪስካ ጨፍላቓይ ዝኾነ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ንምትካል ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓስ ዝፈጠሮ ከምዝኾነ ጀነራል ፃድቃን ሓቢሩ።

ነዚ ንምትግባር ድማ ዕንቅፋት ክኾነና እዩ ዝበሉዎ ህዝቢ ትግራይ ከምዝነበረን ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብውልቅኡ ከይተረፈ ዝተፈላለየ ፃዕርታት ዋላ እኳ እንተተገብረ አንተኾነ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከምዝተኣወጀ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ንክሃንፆ ዝሓሰቦ ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ዕንቅፋት ዝኾነን ኣብ ኤርትራ ንዘጋጠመ ኩለመዳይ ውድቀት ተሓታቲ ወያነ ምግባሩን ትግራይ ንኽወርር ከምምኽንያት ገይሩ ከምዝወሰዶ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እውን ክልቲኦም ሓይልታት ምስ ኣዕራብ ተሓባቢሮም ንትግራይ ብምውራር ማእለያ ዘይብሎም ግፍዒታት ከምዝተፈፀመ ገሊፁ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ንትግራይ ዝወረረ ሮኬት ስለዝተተኮሰ ዘይኮነስ ቀዲሙ ከባብታት ኣድያቦ ከምዝተቆፃፀረን ኣብ ከባቢ ባዕኸር ሽፋን ከቢድ ብረት ከምዝሃበን ኣብ መወዳእታ ሮኬት ከምዝተተኮሰን ሓቢሩ።

ሃገራት ኣዕራብ፡ ምስ ኢሳያስን ኣብይን ዝወገናሉ ምኽንያት ጆኦ-ፖሎቲካ ቀይሕ ባሕሪ ንምቁፅፃር ዕንቅፋት ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነን ካብ ነዊሕ እዋን ዘለዎ ወተሃደራዊ ጥበብ፣ ስልጣነ፣ መንነት፣ ሃይማኖትን ባህልን ከምቀንዲ ነጥቢ ዝውሰድ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩለመዳይ ግፍዒ እቲ ኲናት ህዝባዊ ክኸውን ከምዝገበሮን ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ጊዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኲናት ከምዝተዛዘመ ሓቢሩ።