ጋዜጠኛ ዶይቼ ቬለ ጄምስ ጄፍሪ ኣብ ኣዲስ አበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዛዊሩ ጋዜጠኛታት ብምዝርራብ ብዘዓባ ናፅነት ሚድያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ።
“ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናብ ስልጣን ዝመፀ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ኣሰራርሓን ናፅነትን ሚድያን ክቕይር እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተገይሩሉ እኳ እንተነበረ ብዙሕ እንከይፀንሐ ግና ሚድያ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ፀገማት ገጢሞም። ከምቲ ዝፍለጥ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ሰላም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ዝሸለመሉ ሮቛሒታት ሓደ፣ ሓዳስን ዲሞክራሲያዊትን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝነበረ ፀገም ብምቕራፉ ምዃኑ ገሊፁ ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ መጀመርታታት ብዙሓት ሚድያታት ናፃ እንተመፁ እውን ነዊሕ ክፀንሑ ኣይኸኣሉን። ሚድያታት ንናይ ብሄር ጎንፂ፣ ፅልኢትን ምልዕዓልን ክውዕሉ ጀሚሮም። እዚ ድማ እታ ዓዲ ንከይትረጋጋዕ ምኽንያት ኮይኑ እዩ” ይብል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡ ስዒቡ ዘይሻረውትን ብዝተወሰነ መልክዑ ርትዓዊ ሕቶታት ከልዕላ ጀሚረን ዝነበራ ሚድያታት ክዕፀዋን ጋዜጠኛታት ክእሰሩን ጀሚሮም። ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ንሓደ ማሕበረሰብ ዘነኣእሱ፣ ፅልኣት ዝሰብኩ፣ ሽም ሓደ ህዝቢ ከም ህዝቢ ፀለሎ ዝለኽዩ ምድላዋት ክቐርቡ ጀሚሮም። እዞም ምድላዋት ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ገበናትን ኩሎም ፈፃሚኦም ሓደ ህዝብን ውድብን እዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅልኣትን ቂምን ንክፍጠር ለይትን ቀትርን ሰሪሖም። ነዚ ተግባር ዘውግዙ ጥራይ እንተይኮኑስ ንውድብ ህወሓት ፈፃሚ ግብረ ራዕዲ ዘይብሉ ሚድያታት እውን ተዓፅዮምን ምፍርራሓት በፂሕዎምን እዩ።
ጄምስ ጀፍሪ ዘዛራረቦ ብሞያኡ “ግብረ ራዕዲ ብምልዕዓል” ብዝብል ክሲ ሰለስተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ ንዝወፀ ጋዜጠኛ በሪሁ ኣብ ዘዛራረበሉ እዋን እቲ ጋዜጠኛ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዝስማዕማዕ ሰብ እዩ ኢለ እሓስብ ነይረ፣ ሐዚ ግና ሚድያታት ናይ ፅልእን ብሄር ተኮር ጎንፅን መሳርሒ ንክኾኑ ዝደለየ ይመስል” ክብል ገሊፁ ነይሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፌደራላዊ ስርዓት ብምቕባር ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትካልን ባህጊ ሓደ ብሄር ጥራይ ንምስኻዕን ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እተን ሚድያታት እውን ብሓደ ቱቦ ዝፈሳን ልእኽቶን ዕላማን መንግስቲ ጥራይ ዝፍፀመለንን ንክኾና እዩ ባህጉ። ካብዚ ወፃኢ ሞያዊ ስነምግባርን ሚዛናውነትን ተሞርኪሶም ዝሰርሑ ሚድያታት ግና ኣብ ሓደጋ ይርከቡ።
ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመፀሉ እዋን “ሚድያ ዓፂኻ ኣነ ጥራይ ኣርሓ ክኾን ዝበሃለሉ እዋን ኣብቂዑ እዩ፣ ድሕሪ ሐዚ ናፃ ሚድያታት ክህልዋ እየን’’ ክብል ተዛሪቡ እንተነበረ እኳ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበሮ ኣዕርዩ ብዝኸፍአ መልክዑ ፀረ ሚድያን ጋዜጠኛታትን ዝለዓል ስርዓት ሃኒፁ ይርከብ። ኣብዚ ምፅናት ዓሌት ዝፍፀመሉ ኲናት ኣብ ዝተፈላለያ ሚድያታት ይሰርሑ ዝነበሩ ተጋሩ ጋዜጠኛታት ንሞት፣ ማእሰርትን ስደትን ዝተሳጥሑ ኮይኖም ካልኦት ብዛዕባ እቲ ስርዓት ሕቶ ዘልዕሉ ጋዜጠኛታት እውን እናተሃደኑ ከምዝኾኑ ብዙሓት ተሓለቕቲ ሚዲያ ዝኾኑ ትካላት ዝገልፅዎ እዩ።
ዓለም ለኻዊ ተሓላቒ መሰል ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣዋጅ ኣንፃር ግብረ ራዕዲ ብምጥቃም ቁፅሪ ክሲ ዝተመስረተሎም ሰባት ምውሳኹ ኣውጊዙ እዩ። እቲ ኣዋጅ ጋዜጠኛታት ብዘይ ሕግን ስርዓትን ንክእሰሩን ክህደኑን ምኽንያት ኮይኑ እዩ ክብል ድማ ይወቅስ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምክትል ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝኾኑ ሲፍ ማጋንጎ “እቲ ኣዋጅ ፀረ ግብረ ራዕዲ ጋዜጠኛታት ብዘይ ኣግባብ ንክእሰሩ ይውዕል ምህላው ኣብታ ዓዲ ይርአዩ ካብ ዘለዉ ፀገማት ሓደ እዩ፣ እቲ ሕጊ ንዓለም ለኻዊ ስምምዓት ብዝጥዕም መልክዑ ክኽለስ እዩ ዘለዎ እምበር ጋዜጠኛታት ንምጥቃዕ ክውዕል የብሉን” ክብል ይገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፖለቲካ ካብኡ ንዝተፈለዩ ኣካላት ዘጥቅዐሉ ኣዋጅ ፀረ ግብረ ራዕዲ ብምሕንፃፅ ንማእሰርቲን ጥቕዓትን ክሳጥሑ እናገበረ ዝርከብ እንትኾን ብፍላይ ናፃ ሚድያን ሞያ ጋዜጠኝነትን ከም ገበን ዝርኢ ኮይኑ ይርከብ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘለው ሚድያታት ጥራይ እንተይኮነስ እቲ ዘሎ ግሁድ ሓቂ ስለዘውፅኡ ንCNN ሓዊሱ ንካልኦይ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ ሚድያታት መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ።
ንመሰል ጋዜጠኛታት ኣብ ዝጣበቕ ዓለምለኻዊ ትካል ሲፒጄ፣ ወኪል ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ዝኾነት ሙቶኪ ሙማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዙሓት ኣብ ዩቱዩብ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ዝሕብሩ ፀብፃባት ከምዝበፅሖምን እቲ ጉዳይ ዘሰንብድ ከምዝኾነን ንቢቢሲ ገሊፃ ነይራ።
“ነቶም ሓበሬታታት ንምርምሮም ኣለና፣ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ምእዋጅ ንጋዜጠኛታት ዒላማ ዝገብረ ኮይኑ፤ ኣብዚ ቅነ ንዕዘቦ ዘለና’ውን ምስዚ ዝኸይድ’ዩ። ሰበስልጣን ነቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ክፈትሑን እቲ ‘ብዙሓት ፀገማት ዘለውዎ ሕጊ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ናፅነት ፕረስ ንምግዳብ ምጥቃም ደው ከብሉን ፃውዒትና ነቕርብ” ኢላ።
ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታቱ ውሑስ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎን ጋዜጠኛታት ከኣ ስርሖም ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን ከለላ ክግበረሎም እምበር መጥቃዕቲ ክበፅሖም ከምዘይግባእ ትገልፅ።
እቲ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝፀንዕ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ፣ ኣብ ዓንቀፅ 4 ንኡስ ቁፅሪ 10 ብዛዕባ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ኣስፊሩ እዩ።
ነቲ ኣዋጅ ዘፈፅም ኣካል “ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ነቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኣሸበርቲ’ ዝብሎም ሓይልታት ሞራላዊ ድጋፍ ይገብር እዩ ዝበሎ ማዕኸን ዜና ወይ ጋዜጠኛ ብዝምልከቶ በዓል መዚ ክእገድ ወይ ፍቓዱ ክስረዝ ትእዛዝ ክህብ ይኽእል” ክብል ይድንግግ። እዚ ማለት ኣብታ ዓዲ ይግበሩ ዘለው ዘይሰብኣውን ዘይሞራላውን ስራሕቲ ምውቃስ ኮነ ሕቶ ምልዓል ከም ገበን ዝቑፀር ምዃኑ መረጋገፂ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘይተስማዕምዕዎ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሚድያታት ኮኑ ውልቀ ሰባት ምስ ግብረ ራዕዲ ብምትሕሓዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንክዕፀዉ ዘውፅኦ ኣዋጅ እዩ ክብሉ ብዙሓት ይወቕስዎ።
ብተወሳኺ ድማ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝተኸልከሉ ነገራት ኣብ ቁፅሪ ሽድሽተ ዘርዚርዎም ይርከብ። “ንምንቅስቓስ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ከምኡ’ውን ንዕላማ እቲ ኣዋጅ ዝቃወምን ንዕላማ “ኣሸበርቲ” ጉጅለታት ድጋፍ ዝገብር፤ ንጉጅለታት ሽበራ ዘተባብዕ፤ ንሰላማውያን ዜጋታት ዘሸብር ዘረባ ብዝኾነ ይኹን ኣማራፂ ምዝራብ ኮነ ክፍኖ ምግባር ዝተኸልከለ እዩ” ይብል። እቲ ተደንጊጉ ኣዋጅ ካብ ማዕኸናት ዜና ሓሊፉ ንዜጋታት እውን ከምዝምልከት የነፅር። እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወቕስዎን ሕቶ ዘልዕሉን ኣካላት ኩሎም ንምእሳር ንድሕሪት ከም ዘይብል መረጋገፂ እዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስርዓት ዘይድግፉን ዝቃወሙን ጋዜጠኛታትን ሚድያን ኣብ ምዕፃውን ምእሳርን ይርከብ። ልዕል ኢሉ ከምዝተገለጸ ሓላፊት ሲፒጄ ቀርኒ ኣፍሪካ ሙቶኪ ሙሞ፣ እቲ ኣዋጅን ንዕኡ ስዒቡ ብኣፈፃሚ እዚ ዝወፅ መግለፂን መሰረታዊ ፀገማት ከምዘለዎም ብተደጋጋሚ ነቒፋ እያ። ነቲ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ መሰረት ብምግባር፣ ሰበ ስልጣን ብዘይገደብ ንሰባት ክኣስሩ ስልጣን ምሃቡን ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ነቶም መንግስቲ ኣሸበርቲ ዝበሎም ጉጅለታት ይድግፉ ናይ ዝባሃሉ ትካላት ሚድያ ፍቓድ ክሳብ ምስራዝ ዝበፅሕ ስጉምቲ ንኽውሰድ ዝፈቅድ ምዃኑን፣ ንሲፒጄ ብመንፅር ናፅነት መራኸቢ ብዙሃን ከምዘሻቕሎ ትገልፅ። ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝምልከቱ ፀብፃባት ካብ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣናት እንተዘይመፂኡ ክዝርግሑ ከምዘይብሎም ኣጊዱ’ዩ ኢሉ ዝኣምን ኣዋጅ መሻቐሊ ምዃኑ ወኪል ሲፒጄ ቀርኒ ኣፍሪካ ትዛረብ።
እዞም ድንጋገታት ንዝተፈላለየ ትርጉም ዝተቓልዑን ንፁራት ዘይምዃኖምን ዘሻቕል እዩ ዝበለት ሙቶኪ፣ “ንኣብነት ‘ብተዘዋዋሪ ናይ ሞራል ድጋፍ ምግባር’ ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ‘ኣካላት ፀጥታ ስጉምቲ ውሰዱ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ንምባል’ዩ? እሰሩ ማለት’ዶ ይኸውን? ወይስ ንብረት ውረሱ? ወይ ፍቓዶም ሰርዙ? እዚ ብንፁር ዝተቐመጠ ኣይኮነን። ስዒቡ ዝወፀ መግለፂ’ውን ዋላ’ኳ መንግስቲ ናይ ሚድያ እገዳ ኣይኮነን እንተበለ ፀብፃባት ምድላው ግን ዝእግድ እዩ” ክትብል ተረድእ።
ፀሓፊ ማሕበር ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሲሳይ፡ ብምኽንያት ነቲ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ኣብ ዋሕዚ ሓበሬታ ፀገም ከምዘጋጠመ ብምሕባር “እዚ ከኣ ሓበሬታ ካብ ሓደ መንግስታዊ ኣካል ናብ ካልእ ናይ መንግስቲ ሚድያ ጥራይ ንኽውሕዝ ጌሩ እዩ” ይብል።
እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ናይ ውልቀ ሚድያታት ፅዕንቶ ከምዘሕደረን ሰበ ስልጣናት መንግስቲ እንከይተረፉ ቃለ መሕተት ንምሃብ ከምድሐርሕሩ ዝገልፅ ሲሳይ ብፍላይ ጋዜጠኛታት ናብ ማእሰርቲ ኣብ ዝቃልዑሉ እዋን፤ መግለፂታት ብምውፃእ ፅዕንቶ ንምፍጣር ከምዝፍትኑ ይገልፅ።
ዓለምለኻዊ ተጣበቅቲ መሰል ጋዜጠኛታት ብወገኑ ኣብ 2021 ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፣ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ካልኣይቲ ኮይና ምህላዋ ገሊፁ።
ኮሚቴ ሓለዋ ደሕንነት ጋዜጠኛታት [ሲፒጄ] ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ እትርከብ ኤርትራ እንትትኾን ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ ቐፂላ ሚድያን ጋዜጠኛታትን ብምህዳን ኣብ ካልኣይ ብርኪ ትርከብ።
ዳይሬክተር ኤዲተርያል ሲፒጄ ኣርሌን ጌትስ “ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ፣ እቲ ዝኸፈአ ንድሕሪት ምምላስ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ተራእዩ፣ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ንኤርትራ ተኸቲሉ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ” ክትብል እቲ ዘሎ ሃዋህው ኣሰራርሓ ሚዲያ ኢትዮጵያ ትገልፆ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 22 ጋዜጠኛታት ዝተቐተሉ እንትኸውን ብዙሓት ድማ ብምኽንያት ሞይኦም ተኣሲሮም እዮም። ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝነበረ ዳዊት ከበደ ኣብ ውሽጢ መኪና ምስ ካልኣዩ እንከሎ ከም ዝተቐተለን ሬስኡን ሬሳ ምስኡ ዝነበረ መሓዝኡን ብሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ከም ዝተልዓለን ዝዝከር እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ጋዜጠኛ ኦሮሚያ ብሮድካስት ኔትዎርክ ዝነበረ ሲሳይ ፊዳ ኣብ ከተማ ደምቢዶሎ ከምዝተቐተለ ሲፒጄ ኣብ ፀብፃቡ ኣስፊሩ እዩ።
ሲፒጄ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዝራብ ናጽነት ናይ ምጭፍላቕ ተርእዮታት ከም ዘሎ እንትገልፅ ናይ ተቓውሞ ድምጽታት ንምዕፋን፡ ቅድም ክብል ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ዝነበሩ ስልትታት ተመሊሶም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተቓውሞን ናዕብታትን ምስተላዕለ፣ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ከምዘቋረፁን፣ ንቤት ፅሕፈት ሲዳማ ሚድያ ኔትወርክ ንመዓልታት ከምዝዓፀውዎን እቲ ትካል ገሊፁ። ኣብቲ እዋን 900 ሰባት ከምዝተኣሰሩ’ውን ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ካብ ናይ መንግስቲ ሚድያታት ወፃኢ ንካሊእ ሓሳብን ሓበሬታን ከይቃላዕ ኣበርቲዑ እናሰርሐ ይርከብ። ንቕሓትን ሓበሬታን ንከይህሉ ብምግባር ድማ ካብ ኣጀማምራ እቲ ኲናት ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ከይዲ ዝበዝሕ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ይእመን።
እዋናዊ ኩነታት እታ ዓዲ፣ ምዕባለታት እቲ ኲናት ኣብታ ሃገር ይበፅሕ ዘሎ ቑጠባውን ናይ ህይወት ዕንወትን ንምርዳእ ናፃ ዝኾና ሚድያታት የለዋን። እተን ዘለዋ ድማ ብሳንባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝትንፍሳ፣ ምፅናት ዓሌት ዘለዓዕላን ፅልኣት ዝሰብካን ኣብ ልዕሊ ምዃነን ካብ መንግስታዊ መግለፅን ፕሮፖጋንዳን ወፃኢ ካሊእ ነገር ከሕልፋ ዘይኽእላ እየን።