ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢ ኣሕመድ፡ ሎሚ ንእዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ነቲ ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ዘጋጥሞ ዘሎ ስዕረት ንምሽፋን ተጋሩ ኣለውዎም፡ ማሪኽና እውን ኣለና ክብል ዝተለመደ ፀለመ ኣቕሪቡ።
ከምኡ እውን ኣብ ክልል ኦሮምያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ህልቂ ዝተቖጠዑ ተወለድቲ ኣምሓራ ንምህዳእን ገበናት እቲ ስርዓት ንምሽፋን ክብል ካብ ተወለድቲ ትግራይ ኣብቲ ቅትለት ተሳቲፎም ብምባል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተወሳኺ ፅልኢ ንምዝራእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልፁ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ሰባት ሰብ እንዳሞተ ንምንታይ ተኽሊ ትተኽሉ ይብሉና፡ ግና ሰብ እንተሞይቱ ንመቓብሩ ፅላል ክኾኖ ተኽሊ ምትካል ክንቅፅለሉ ኢና ክብል ተላጊፁ።
ትማሊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ወለጋን ከባቢኣን ንዝተፈፀመ፤ ቅትለት ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት እተፅንዕ ኮሚቴ ምጥያሹ ይፍለጥ።
እቲ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ፈጺሙዎ ክብል ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኸስስ እንትኾን ካብ ኣባላት ባይቶ እቲ መንግስቲ ግን ፈፃሚኡ ባዕሉ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ እዩ ምባሉ ይዝከር።
ከምኡ እውን ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ሓይልታት ፀጥታ ስርዓት ኢትዮጵያ ንዘጋጠሞም ስዕረት ንምሽፋን ዝፈፀሙዎ ከምዝኾነ ምግላፆም ይዝከር።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ፍፃሜ ብዝምልከት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ መንግስቲ ግዜ ከይወሰደ ፅፁይ መርመራ ከካይድ ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ሕብረት ወሲኹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ዜጋታቱ ምሕላው ሓላፍነቱ ከምዝኾነ ብምጥቃስ እቲ ምስ መንግስቲ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ብሰላም ክፈትሖን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት እታ ሃገር ዝተላዕለ ግርጭት ከህድእ ፀዊዑ ኣሎ።
ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ከካይዶ እየ ዝበሎ ዘተ ሰላም ከም ግዜ መግዘእን ካብ ደገ ዝረኽቦ ሓገዝ ንምትእኽኻብን ዝዓለመ እምበር ብቅንዕና ንዘተ ሰላም ቅሩብ ከምዘይኮነ ተዓዘብቲ የረድኡ።