ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ኣብ ዝገበረቶ ኲናት ንዘጋጠማ ቀሊል ዘይበሃል ክሳራ ንምውፃእ ባንኪ ዓለምን ካልኦት መሓዙት ኣካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ ምክትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓቲቱ።
ብፍላይ ድማ ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ህፁፅ መፅናዕትን ግምገማን ብምግባር በቲ ጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ብዛዕባ ዘድልዮም ሓገዝ ምንፃሩ ከምፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝውሰድ ሓቢሩ።
ከምኡ እውን እቲ ባንኪ ንኢትዮጵያ ካብ 2018 ጀሚሩ ንዘሎ መመሓየሺ ሃገር በቆል ቁጠባ ዝውዕል 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ምምዳቡ ዝነኣድ ከምዝኾነ ኣረዲኡ፡፡
ኣይተ ደመቀ መኮነን ነዚ ዝበለ ኣብ ሴኔጋል ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ዓለም ለኸ ማሕበር ባንኪ ዓለም (IDA20) እዩ።
ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ትግራይ ብሓይሊ ንምጉባጥ መሻርኽቱ ዓዲሙ ኣብ ዘካየዶ ወራርን ደሓር እውን ተሳዒሩ ኣብ ዝወፀሉ ኲናት እታ ሃገር ዘጥረየቶ ሃፍቲ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝኸሰረት ይግለፅ።
ሕጂ እውን እቲ ስርዓት ኲናት ትግራይ ብሰላም ከምዝፈትሖ ዋላ እኳ እንተገለፀ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝኸሰረቶ ብኣማኢት ቢልዮን ዝግመት ሃብቲ ብልቓሕ ንምምላስን ኣፅዋር ንምግዛእን ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብስሩ እውን እቲ ስርዓት ንዘተ ሰላም ቅሩቡ ከምዘይኮነን ልዝብ ዝብል ከም መግዘኢ ግዘን መለመኒ ሰልድን ይጥቀመሉ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልፁ።