ሓረስታይ ወረዳ ማእኸል ኣድያቦ ብሕፅረት ዝናብ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ

ካብ Kidanemariam Berhane ዝተወስደ

ወረዳ ማእኸል ኣድያቦ ማእኸሉ ከተማ ዓዲ ሃገራይ እዩ። ቅድሚ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ኣፅንቶታዊ ዂናት ኣዝዩ ካብ ዝተሃሰየ ዓዲ ሓደ እዩ። እዚ ወረዳ ዚ ብተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኹሉ ጊዜ ኽረምቲ ብሽፋን ይኹን ብመጠን ብዝረኽቦ እኹል ማይ እውን እዩ ዝፍለጥ ዝነበረ። ሎሚ ዘበን ኽረምቲ ግን ሕፅረት ዝናብ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ዓሚ ከም ሎሚ ኣዝርእቲ ተስፋ ህዝቢ ኮይኖም፣ ሓምልዮምን ነዊሖምን ነይሮም። ሕዚ ግን ብሰንኪ ዘጋጠመ መፍርሒ ሕፅረት ዝናብ ዝርአ ኣዝርእቲ ዝበቖለሉ ግራት የለን። ገሊኦም ግራውቲ ምስ ተዘርኡ መሬት መኺናቶም ኣይቦቐሉን። እቶም ዝበቖሉ እውን እንተኾነ ብዘሐዝን መልክዑ ምሕራር ጀሚሮም ኣለዉ። መሬት ኣድያቦ ዘይኣመሉ ኣብ ወርሒ ሓምለ ፋሕሺዩ ኣሎ። ሓረስቶት ምስ ጨነቖም ዘራእቶም ገልቢጦም ዳግም መሬቶም ክሓርሱ ተገዲዶም ኣለዉ።

በዚ ከይኣክል ባልዓት እውን ተጫጪሖም ተወሰኽቲ ስግኣት ኮይኖም ኣለዉ። ብኣውርኡ ፈሓሪ ቓንጫ ተስፋሕፊሑ ኣሎ። እዚ ንዘራእቲ ቓንጫ ናብ ሓሰር ናይ ምቕያር ተኽእሎ ዘለዎ ሓደገኛ ባልዕ እዩ። ባህሪኦም ዘይፍለጡ ካልኦት ሓሳኹ እውን ይረኣዩ ኣለዉ። እዚኦም ኩሎም ንሓረስታይ ኣድያቦ የድርቕዎን የድክይዎን ኣለዉ። እቲ ኸባቢ ህፁፅ ኣድህቦ ዘድልዮ እዩ፣ እቶም ባልዕ መጥፍኢ መድሓኒት ክንፅገሎም ይኽእል እዩ፣ እቲ ድርቂ ድማ ካልእ ኣማራፂ ሪኢኻ ህዝብን ጥሪቱን ብጥምየት ከይተበተኑ ዓርሱ ዝኽእለሉ መንገዲ ምንዳይ የድሊ።