ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዘጋጥም ንደሓር መራሕቲ ጉጅለ 20 ንፈለማ እዋን ብ ኣካል ተራኺቦም ኣብ ዝዘተዩሉ ኣኼባ ንኻልኣይ ግዜ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ዝተመረፀ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ።
ኣብቲ ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢን ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ከም ዛዕባ ተላዒሎም እቶም መራሕቲ ተዛትዮሙሎም እዮም።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ጉጅለ 20 ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈት እንትትኸውን ብዙሓት ኣካል እቲ ዲፕሎማስያውን ናይ ኣመራርሓን ውድቀት እዩ ክብሉ ይገልፁ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ን ካልኣይ ግዜ ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ንምዃን እንትወዳደር ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ትግራዋይ ብምዃኑ ጥራይ ኣንፃሩ ክጉስጉሱ ፀኒሖም እዮም።
ገለ ሚድያታት ድማ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዓለም ንካልኣይ ግዜ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ንክኸውን እንትትመርፆ ዓዱ ግና ኣይመረፀቶን ክብሉ ኣቃሊሖም እዮም።
ዶ/ር ቱድሮስ ኣድሓኖም እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኵናት ኣብ ምቅላዕ ዓብይ ተራ ዝተጻወተ ሓቦኛ ትግራዋይ ከምዝኾነ ይፍለጥ።