ግምባር ብሄራዊ ናጽነት ሲዳማ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ይበጽሕ ንዘሎ ግፍዓዊ ተግባር ከምዝኹንን ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ዝተኸፈተ ኲናት ንተስፋፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ግዝኣት ንምስፋሕን መሰረት ፌዴራሊዝም ዝኾነ ሕገ መንግስቲ ብምቕያር ናይ ነፍጠኛን ኣሃዳውን ስርዓት ንምትካል ዝዓለመ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ግምባር ብሄራዊ ናፅነት ሲዳማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩሉ ዓይነት ግፍዕን ቅትለትን እናውገዘ ምምፅኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ዕላማ ኣልቦ ኲናት ፋሽሽታውያን ደም ብሄርን ብሄረሰባት ብኸንቱ ዝፈስስ ዘሎ እንትኸውን ሃብትን ንብረትን ኢትዮጵያ እውን ከምዝዓነወ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊኡ ዝበፅሐ ኩሉ መከራ ተፃዊሩ በቲ ኲናት ፀብለልታ እናረኸበ ዝመፅእ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ዘሰምበዶ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ኣዋሳን ካልኦት ከተማታት ክልል ሲዳማን ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ዝግበር ማእሰርትን ግፍዕን ይፍፀም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ህዝብን ብሄርን ሲዳማ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘለዎን ስነ ምግባሩ ዝተሃነፀ ህዝቢ ብምዃኑ ብሰንኪ እምነቶምን ብሄሮምን ጥራሕ ተሓርዮም ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሕ ኩሉ ዓይነት በደል ዓገብ ክብሎ ፀዊዑ።

ብመሰረት እዚ ኲናት ኣብ ዘይብሉ ኣዋሳ፣ ይርጋለም፣ ኣለታወንዶን ካልኦት ከተማታትን ብዘርኦምን ብሄሮምን እናተሓረዩ ተጋሩ ብምዃኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ዘሎ ኩለ መዳይ ግፍዒ ኣጥቢቑ ከምዘወግዝን ብዘይኣግባብ ዝተሓፈሱ ብህፁፅ ናብ ስራሖምን ስድራቤቶምን ክምለሱ ግምባር ብሄራዊ ናፅነት ሲዳማ ኣተሓሳሲቡ።