ብነበር ፕረዚዳንት ናይጀሪያ ኦሉሴጎ ኦባሳንጆ ከምኡ እውን ብኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ብዝገብርዎ ዘለው ፃዕሪ ኩሎም ወገናት እቲ ኲናት ምቕፃል ዘለዎ ሰዓብየን ከምዝርድኡ ይኣምን ክብል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ኣረዲኡ።
ከምኡ እውን ፕረዚዳንት ኦባሳንጆ ዘካየዶ ዘሎ ፃዕርን ንሕና እንገብሮ ዘለና ፃዕርን ጉዳይ ዘተ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ከምዝሰጋገር ፍንጪ ከምዘሎ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ኣብሪሁ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ደው ብምባልን ቀፂሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ብምግባርን ድሕሪ ጊዜ ድማ ዘላቒ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ዘተ ንኽግበር ተስፋ ከምዘለዎ እውን ሓቢሩ።
ኣባሳንጆ፡ ንፖለቲካዊ ፍታሕ ዕድል ኣሎ ግን እቲ መስኮት ይዕፆ እዩ ዘሎ ክብል ዝሓለፈ ሶኒይ ንባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ምዝራቡ ይዝከር።