ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ክኸውን ጐስጓስ ተጀሚሩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ረሺድ ዓብዲ ፣ ኖርዊጃዊ ኮሚቴ ሽልማት ሰላም ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ ጌጋ ምሃብ ሽልማት፤ ኣብ 2022 ንዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዓዋቲ ሽልማት ኖብል ብምግባር ክእርሞ ይግባእ” ኢሉ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ምግባር እቲ ኮሚቴ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፈጸሞ ጌጋ ምእራም ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓለም ብለበዳ ሕማማት ኣብ ዝተፈተነትሉ ብብቕዓት ዝመርሐ ሰብ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኲናትን ዘይምዕሩይነትን ንዓለማዊ ስርዓት ጥዕና ከመይ ከምዝጸልዎ ብተኣማንነት ከምዝሰርሐ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ረሺድ ኣብዲ ኣረዲኡ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ኢትዮጵያ ድማ ብደረጃ ሚኒስተርነት ጥዕናን ንጉዳያት ወጻእን፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ደረጃ ዓለም ንሰብኣውነት ዘበርከቶ ግደ ዕዙዝ ብምዃኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈለለዩ ሽልማት ከምዝተበርከተሉ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ድማ ብቐንዱ ኣብ መሪሕነት ውድብ ጥዕና ዓለም ኰይኑ ኢቦላ፥ ኮቪድ19 ን ዝኣመሰሉ ለበዳ ሕማማት ኣጋጢሞም ዓለም ክትፍተን እንከላ፣ ብብቕዓት መሪሑን ህይወት ሚልዮናት ከድሕን ወፍሪ ክግበር፤ ሃብታማት መንግስታት ንድኻታት ሃገራት ክታበት ብምዕሩይነት ክልግሱን ዘይፍታሓውነትን ከይነግስ ከምዝመርሐን ከምዝተቓለሰን ይፍለጥ።

ኣብ ሃገራት ሶሪያ፣ የመን፣ ኣፍጋኒስታን፡ ትግራይን ንዩክረይን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰንኪ ኲናት ዘጋጥም ሰብኣዊ ቅልውላው ስዒቡ ንዘጋጠመ ዕንወት ሰርዓት ጥዕናን ጥዕና ህዝብታትን ብዝተኻእለ መጠን ትኹረት ንክወሃቦም መሪሕነቱ ኣርእዩን ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ ኮይኑ፥ ሰብኣውነት ኣቐዲሙ እዩ።

ብምኽንያት እዚ ድማ ዶክተር ቴድሮስ ንሽልማት ኖቤል 2022 ዝብል ጐስጓስ ትዊተር ብተንታኒ ፖለቲካ ረሺድ ኣብዲ ተጀሚሩ ኣሎ።