ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንኣዋርሕ ዕጽዋን ክባን ኣንቢሩ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ብሰብኣዊ ትካላት ኣቢሉ ዝኣትው ሰብኣዊ ሓገዝ ገደብ ክግበር ጸዊዑ።
ኣብ ክልል ዓፋር ንስራሕ ዕውደት ዝተረኸበ ምክትል ቀዳማይ ሚንስተር ኣይተ ደመቐ መኮነን ኣብ ልዕሊ ናብ ትግራይ ብትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ እናኣተወ ዝርኸብ ጥረ ኣቅሓን ሰብኣዊ ሓገዝን ጥቡቅ ክትትልን ገደብን ክግበር ጸዊዑ።
ናብ ትግራይ ዝኣትው ጥረ ኣቅሓን ፍሉይ ክትትል ክግበረሉ ይግባእ ዝበለ ደመቐ መኮነን ናብ ትግራይ ካብቲ ዝተቀመጠ ገደብ ነዳዲ ንላዕሊ ክኣትው ፈተናታት ተዓዚበ እየ ክብል ተዛሪቡ። ነዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ናብ ትግራይ ዝኣትው ነዳዲን ካሊእ ጥረ ኣቃሓን ጥቡቅ ቁፅርን ሓለዋን ክግበር ዝጸወዐ ኮይኑ እዚ ይገብራ እየን ዝበለን ዓለም ለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ከሲሱ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ካብቲ ኣብ ትግራይ ዘድሊ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ውሑድ ዝኾነ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ብዝተወሰነ መልክዑ ዝኣተወ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ እዚ ዝኣትው ዘሎ ሓገዝ እዩ ገደብ ክግበር ጸዊዑ ዘሎ።
ናብ ትግራይ ዝኣትው ዘሎ ነዳዲ ነቲ ዘድሊ ሓገዝ ንምብጻሕ፣ ናይ ሕክማና ትካላት ዝጠልቦኦን መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘደሊን ብጣዕሚ ውሑድ መጠን ጥራሕ ይኣትው ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኦቻ ምፍላጡ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ 240 ናይ ጥዕና ትካላት ንምብጻሕ ጥራሕ ልዕሊ 24 ሽሕ ሊትር ነዳዲ ዘድሊ እንትኸውን እዚ ግን ክሳብ ሐዚ ክርከብ ከምዘይተካኣለ ኦቻ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጲያን ከሙኡ እውን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ናብ ትግራይ ብክልል ኣምሓራ ኣቢሉ ክኣትው ዝተፈተነ ሰብኣዊ ሓገዝ ብፋኖን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ኣቢሎም ክዝረፍን ክስረቅን እናገበሩ ብእቲ ክልል ኣቢሉ ዝሓልፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክበል ዝተገበረ እንትኸውን ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ኣብ ዝኣትው ዘሎ ኣዝዩ ውሑድ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ተመሳሳሊ ጸቅጢ ንምግባር ዝዓለመ ብዝመስል መልክዑ ጻዊዒት እናተገበረ ይርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኢለ ተኲሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሰደ እየ ዋላ እንተበለን ክሳብ ሐዚ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ግን ኣዝዩ ውሑድ ምኻኑ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ምፍላጠን ዝዝከር እዩ።