ንስርዓት ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ዝርከበሉ ሓበራዊ ደቂኣንስትዮ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ሐዚ ምስ ትግራይ ኮነ ምስ ኦሮምያ ዝግበር ኲናት ደው ክብል ፀዊዑ ኣሎ።
እቲ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህወሓትን ኦነግን ሰላማዊ መገዲ ይምረጹ ከምዝበለ ሪፖርተር ጋዜጣ ፀብፂቡ።
ብዝኾነ ኣካል ዝህረም ነጋሪት ኲናትን ወረ ኲናትን ክንሰምዕ ኣይንደልን ዝበለ መግለጺ ሓበራዊ ባይቶ ደቀንስትዮ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ፤ ግዳማውያን ሓይልታት ዝገብሩዎ ዘለዉ ሰላም ናይ ምዝራግ ግደ ውን ከም ዝቃወም ሓቢሩ።
እንተዀነ እቶም ግዳማውያን ሓይልታት በዓል መን ምዃኖም ኣየነጸረን።
እዚ ንሰልፊ ብልጽግና ዝሓቖፈ ሓበራዊ ባይቶ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራን ካልኦት ሓይልታትን ተላፊኑ ከካይዶ ዝሰናዳእ ዝነበረ ወራር ኮነ፣ እቲ ኲናት ምስተወለዐ ካብ ደገ ዝመጹ ዝነበሩ ሰላም ክወርድ ዝጽውዑ ልመናታት ስቕ ካብ ምባል ሓሊፉ ኣብ ምድጋፍ እቲ ኲናት ተሳተፍቲ ዝነበረ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ
ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝተፈጸመ ዘነውሩ ገበናት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸሙ ህልቂታት ውን ዓገብ ክብል ኣይተርኣየን።
ኣብዚ ባይቶ ኮይነን መግለጺ ዝሃባ ደቂኣነስትዮ ፖለቲከኛታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኹለን ንሱ ዘመሓድረንን ንዕኡ ዝድግፋ ማዕኸናት ዜናን ሓለፍቱን ልኡኻቱን ተጋሩ ምስ ታሪኾም ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍኡ፣ ካንሰራት እንትትበሃሉ፣ ስግኦም ተጠቢሱ ክብላዕ ጎስጓሳት ክግበር ከሎን ፤ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተገፊፎም እንትትዳጎኑን ብደዎም ብሓዊ ክጥበሱ ከለዉ ዝበልኦ ነገር ኣይነበረን።