ኢትዮጲያ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ድርቂ ከምዘጋጠማ ኦቻ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ብተከታታሊ ዘጋጠመ ናይ ድርቂ ኩነታት ልዕሊ ሸውዓተ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ከምዝኮነ ኦቻ ሓቢሩ።

እቲ ኦቻ ዘውጽኦ ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻብ ድርቂ ከምዘመላክቶ  እንተኾይኑ ልዕሊ ሸውዓተ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ነበርቲ ብድርቂ ዝተጠቃዓ ኣርባዕተ ክልላት ኢትዮጲያ ሓገዝ የድልዮም እዩ ዝበለ እንትኸውን እዚ ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ዝመጸ ድርቂ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ካብ ዝተረኣዩ እቲ ዝከፈአ ከምዝኮነ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብተወሳኪ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ድርቂ ልዕሊ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ናይ ማይ ሓገዝ ዝጠልብ እንትኸውን ክሳብ ሐዚ ክልተ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን እንስሳ እንትሞታ 22 ሚልዮን እንስሳ እውን ብሰንኪ ድርቂ ከም ዝደኸማ ኦቻ ዘውጽኦ ሓበሬታ የመላክት።

እቲ ድርቂ ካብ ዝተረኣየሎም ከባቢታት ክልል ሶማሊያ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብተውሳኪ እቲ ድርቂ ናብ ካልኦት ክልላት ኣብ ዝቅጽሉ ኣዋርሕ ክስፋሕፋሕ ከምዝክእል ኦቻ ዘጠንቀቀ እንትኸውን እቲ ዝጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ብኡ መጠን ክውስክ ከምዝክእል ኣብሪሁ።

እቲ ኣብ ኢትዮጲያ ኣጋጢሙ ዝብሃል ዘሎ ድርቂ ከባቢታት ትግራይ ዘየጠቃልል እንትኸውን ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘንበሮ ዕጽዋን ክባን ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ህፁጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዓለም ለኻዊያን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ምፍላጠን ይዝከር።