ሙሁር peace and conflict ዝኾነን ዝተፈላለዩ መጸሓፍቲ ብምጽሓፍን ኣብ 2017 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ UNESCO Chair on International Water Cooperation ዝነበረን ፕሮፌሰር ኣሾክ ስዌን ኣብ ትግራይ በረራ ኣልቦ ቀጠና ዘይጣየሸሉ ምክንያት ከምዘይለ ሓቢሩ።
ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢራቅ፣ ቦስኒያ፣ሄርዞጎቪናን ሊብያን በረራ ኣልቦ ቀጠና( no fly zone) ክህልው ዝገብረ እንተኾይኑ ኣብ ትግራይ ንጹሃት ሰለማዊያን ሰባት ካብ ምጭፍጫፍ ንምድሓንን መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ንምሓላውን በረራ ኣልቦ ቀጠና(no fly zone) ዘይእውጀሉ ምክንያት እንታይ እዩ ክብል ይሓትት።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሃገራት ዓረብ እናተሓገዘ ብተከታታሊን ብተደጋጋሚን መንበሪ ሰላማዊ ሰባትን ትካላትን እናደብደበ ዝርኸብ እንትኸውን ክሳብ ሐዚ ሂወት ብርኽት ዝበሉ ሰባትን ብሚልዮናት ዝቑጸር ንብረትን እናዕነወ ይርኸብ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብዓለም ለኸ ሕጊ ገበን ኲናት ዝኾነ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ግድብ ተኸዘ ፈጺሙ እዩ።
እንተኾነ ግን መልሲ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ፈለማ እስካብ ሐዚ እቲ ተግባር ካብ ምውጋዝ ብዝሓለፈ እዙይ እዪ ዝብሃል ተግባራዊ ስጉምቲ ክወሰድ ኣይረኣይን ዘሎ።