Blogs

ንምንታይ እባ ሰባት ይውሸሙ?

ካብ ብዛዕባ ሮበት ትጭነቑስ ብሰውኛ ክነውግዕ ኢለ እየ። ናይዚ ዘመን ሰባትን ኣንስቲ ዓድና ድማ ዋላ ካብ ቀደም ጀሚሩን ንምታይ ውሽማ ከም ዝሕዙን ዝሕዛን ፍሉጥ እዩ ዝመስለኒ።

1) ኣብ ውሽጢ ሓዳሮም ብዘሎ ረኽቢ ዘይምዕጋብ፣ ስምዒታዊ ሓልዮትን ሽውሃትን ምቕናስ 2) ተደላይ ምዃንካ ንምርግጋፅ ምዝዋር (ዝተሓተ ዓርሰ እምነት ምኽዓብን ኢጎ ምጥባርን)፣ 3) ጥዕናዊ ፀገም ሓዲኦም ብዝፈጥሮ ስንፈተ-ወሲብ ኮነ፣ መኻንነት ንዘስዕቦ ፀገም ኣማራፂ ምድላይ፣ 4) ኣብ ገዛ ዝሰኣንካዮ ዘየለ ዘላን (ሰበኽ ሳግም) ምዃን፣ ፈቐድኡ ምድቃስ ጅግንነትን ኣንድቨንቸርን ገይርካ ምውሳድ፣ 5) ሓዳር (ፅምዶ) ዘድልዮ ፅንዓት (commitment) ምኽኣል ኣብዩካ/ሰልችዩካ ግልፅልፅ ምባል፣ ወዘተ እንዳበልና ክንዝርዝር ንኽእል ኢና። ኮንዶም ዶ፣ መከላኸሊ ጥንሲ ዶ ዝብሃል ዘይፍለጥ ስለ ዝነበረ ድማ ወሻሽም ጠኒሰን ምሽጥር ይቃላዕ። እምበር ሰብኣይስ ተዘይፍለጥ ምጥዓሞ!!

ዋላ እኳ ኩሎም እንተዘይኮኑ ብርክት ዝበሉ ናይ ቀደም ኣቦታትና ግን ውሽማ ዝሕዝሉ ተወሳኺ ምኽንያት ነይርዎም እዩ ኢለ ክርድኣሎም ይደሊ። ንሱ እውን ምስ ግልፅነት ረኽብን ወሲብን፣ ከምኡ ድማ ምስ ዘይ ምዝማንን ዝተታሕዘ ዝነበረ ይመስለኒ።

ፈላማይ ነገር፣ ዝበዝሑ ወለዶም ምስ ዘምፅእሎም እዮም ዝመርዓዉ ነይሮም፣ ዝኾነ ይኹን ድማ ትቕበል። ኣብ ፆታዊ ረኽቢ ዘይምጥዕዓም እንተተፈጢራ፣ ነዚኣ ምኽንያት ጌርካ ፍትሕ ዳርጋ ዘይትሕሰብ እያ። ኣሽንኳይ ዶ እዙይ ክትገልፅስ (ሓለሓሊፉ ”ብነብሰይ” ይብሃል እዩ) ብሓፈሻ ፍትሕ ነውሪ እዩ። ስለዚ ሰብኣይ ነዛ ጎደሎ ውሽማ ብምሓዝ ይትክኣ። ኣብ ምፍቕቓድን ምፍላጥን ወይ እውን ንምዕራይ ዘድሊ ግልፅነት ከይዲ ወሲብን ኣብ ዘየብሉ ባህሊ ዘለካ ቀዳድ ሽሉኽ ኢልካ ምውሻም ኮይና ተረኺባ ነይራ ማለት እዩ ኢለ ይሓስብ።

እታ ኻልአይቲ ምኽንያት ዝብላ ግን ምስ ጥንስን ወሊድን ትተሓሓዝ እያ። ”ሕቕቕ የብለኒ ኣሎ፣ ጠኒሰ እኮ” ካብ ዝበልኦም መዓልቲ ጀሚሩ ጾታዊ ረክቢ ዘቋርፁ ሰብ ሓዳር ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ጥንሲ እንተፍሊጣ ኣይደፍኡላን። ብዓልቱ ገዝኡ ጠኒሳ እንዳሃለወት ሓቢርዋ “ዝድቅስ” እንተኮይኑ ብወረያ ወረ ኣንስቲ ዘረባ እንተምሊቐን እውን ሳጓ ክወጾን ‘ክዋረድን’ ይኽእል እዩ። ነዚ “ነውርነት” እዙይ ዝሓልፉ ከም ዘለዉ ኮይኖም፣ ዝተለመደ ግን ስቕ ምባል እዩ። ሽዑ ስምዒትካ ንምርዋይ ግልፅልፅ ይብሃል።

ብቐንዱ ድማ ድሕሪ ወሊድ ቆልዓ ክሳብ ዝትርንዕ እንደገና ጾታዊ ረኽቢ ጠጠው ምስ በለ ይቕፅል። መብዛሕትኡ ሰብ በብክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ዝተወልደ እዩ። ጾታዊ ረኽቢ ጠጠው ብምባል እዮም ንሓደ ወይ ክልተ ዓመት ድሕሪ ወሊድ ፀኒሖም ማለት እዩ። እንተዘይኮይኑ መከላኸሊ ኣይነበረ፣ ምትሓታዊ ዓለባ ኣይፍለጥ። ነቶም ድሕሪ ወሊድ ብፍጥነት ሓቢሮም ዝድቅሱ እኳስ ‘ኣንታ ጉድ፣ ምስ ህፃን እንዳ ተዳፍአ፣ ምስ ደማ . . . ኣንታ እንታይ ስስዐ እዩ” እንዳበሉ እዮም ዝሓምይዎም። ነዚኣ ሰይሩ ባህ ዝበሎ ዝገበረ በብዓመት ይወልድ ፣ ተዘይኮይኑ ንሓደ ዓመት ተጠግሪርካ ድሕሪኡ ዝኾኖ ኾይኑ በብክልተ ዓመት ቆልዑ ይውለዱ። ገሊኡ በብሰለስተ ዓመት። ኣብዚ ኸይዲ እንተንኣሰ ንዓመትን ፈረቓን፣ ንኽልተ ዓመት፣ እንተበዚሑ ድማ ንኣርባዕተ ዓመት ”ሃሰስ” ኣይብሃሃሉን ማለት እዩ። እሞ እዙይስ ኣለሻ ኣማራፂ ዶ ኣየኽይድን?😀 እቱ ካብ ስሩዕ ፆታዊ ረኽቢ ወፃኢ ዘሎ ምዕንዓንን ገለ መለን ድማ ሓጥያት እዩ ነይሩ። ብውሽማነት፣ ብጎኒ ዝተወለዱ ቆልዑ ግን ድሓር ኣካል ቤተ ሰብ ይኾኑ እዮም።

ነዙይ እየ፣ ናይ ቀደም ውሽማነት ክንርድኦ ንኽእል ምኽንያት ነይርዎ ዘብለኒ😀 (ትኽክል እዩ ግን ኣይበልኩን)፣ ናይ ሎሚ እኳ ጸገምካ ክትፈትሕ እንዳኽኣልካ ዝግበር ስለ ዝኾነ መናደዲ እዩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ክዓ ሳላ ዘበናዊነት ጥንሲ ዘይክህልዎ ስለ ዝኽእል ዘይፍለጥ ይገብሮ!!