ፖለቲካ ብሄረ ህበይ!

ብ ካሕሳይ ሃይሉ

ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት፣ ሓደ ሓውና ገለ ‘ናይ ጋውና ፖለቲካ’ ዝብል ዛዕባ ኣልዒሉ መዘራረቢ ገይርዎ ነይሩ። ዝርዝር ናይቲ ዘልዐሎ ዛዕባ  እንታይ ምንባሩ ‘ኳ ባሊህ እንተዘይበልክዎ፣ እቲ ኣርእስቲ ግን ንገዛእ ርእሱ መሳጢ እዩ ነይሩ። “ናይ ጋውና ፖለቲካ!”…

ጋውና ንዘይፈልጥ ብዙሕ ትርጉም ዘይክህቦ ይኽእል እዩ። ንቲ ምስ ህበይ ሌላ ዘለዎ ኣብቲ ጉዳይ ብዙሕ ክብል ይኽእል። ስርዓተ ናብራ ህበይ፣ ማሕበረ ህበይ ፣ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ብሄረ ህበይ! ፀፅታዊን ድሕንነታዊን ሃገረ ህበይ!

ዓዲ ህበይ ፣ ብሓፈሻ ህበይ ንምንታይ ህበይ ይብል ከም ዘለኹ ክጠፍኣኩም እዩ ዝብል ግምት የብለይን። ምኽንያቱ  ጋውና ሓደ ክፋል ብርኪ ማሕበረ- ብሄረ ህበይ እምበር ፣ ጨለለቃ ንቲ ብሄር ክውክል ኣይኽእልን። እዚ ክብል ከለኹ ግን ናተይ ድሌት ምስ’ቲ ሓውና ዘልዓሎ ዛዕባ ብድሌት ኮነ ብትሕዝቶ ሓደ እዩ ንምባል ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ እየ ብናተይ መኣዝን ከምዚ ዝስዕብ ኣፍተልቲለ ንምቕማጥ ዝፍትን ዘለኹ።

ኣብ ብሄረ-ሃገረ ህበይ ፖለቲካ ፣ኢኮኖሚ ፣ማሕበራዊ ፣ ፀፅታውን ድሕንነታውን ብሓፈሻ ብሄራዊ ጉዳያት  እንታይ ከም ዝመስሉ ካብ ዘለኒ ልምዲ ከካፍል። በዚታት ደቂ ሃገረ-ሰብ ካብ ከተመቶት ብልጫ ኣለና፣ ጣፍ ምብላዕ እምበር ብቑሊ ጣፍ ካብ ሳዕሪ ፈልዩ ዘይፈልጥ ከተመታይ ኣዲኡ ትቑፀሮ።

እንታይ ዓይነትን ብከመይን ከምዝፈሪይ  ዘይፈልጥ ፣ ኣብ ከተማ ፀኒሑ ቀይሕ  ፣ ሰርጌናይ ፣ ፃዕዳ እናማረፀ ክትርእይ ከለኻ ግርም እዩ ዝብል! ሓደ መዓልቲ ንኣገለይ ምስ ሓደ ዕባይ ከተማ ዓርከይ ንገፀር ንኸይድ። ሓረስታይ ዘሪኡ ዘብቆሎ ኩሉ እዙይ እንታይ ይብሃል? … እናበለ ሞኽ ከብለኒ ውዒሉ። ንዝሓተተኒ ኩሉ መልሲ ስለ ዝህቦ ብመንፅር ብዝሒ ናይቶም ኣዝርእቲ ኣይኣመነንን መስለኒ። ሓደ ግዘ ‘እዚይኸ እንታይ ይብሃል?’ ኢሉ ይሓተኒ። ‘ኒሁግ!’ ይብሎ። ‘ኒሁግ እዚይ ድዩ?’ እወ!  ኢለ መልሲ ሂበ እናተጉዓዝና ኣብ ቅድሜና ገባራት ገለ ዓይነት ቆፅሊ እናፃህየዩ ዘፍ ኣቢለሞ ንረኽቦም። ‘ንምንታይ ደኣ ይነቕልዎ ኣለዉ?’  ኢሉ ይሓተኒ። “ፃህያይ ስለዝኾነ”። ‘ዋእ! ኒሁግ እዩ እንዶ ኣይበልካንን?’ ‘እዚይኮ ኒሁግ ኣይኮነን።’ እንትብሎ ተናዲዱ። ክላእ! እዚ ኩሉ ትብለኒ ዝወዓልካ ትሽውደኒ ኢኻ ነይርኻ ግዲ ኢሉ ዳርጋ ኾርእዩ። ሓቁ እዩ ኒሁግን ትንግትን ንምፍላዩ መፀገሚ እዩ። ልክዕ ከም ስገምን ጎንጨልን! ናብ ዋኒነይ  ክምለስ!

ፖለቲካ ብሄረ ህበይ!

ህበይ ብሄርን ዓድን ኣለዋ! ህዝበ-ህበይን ግዝኣታን። “ተስርዐ በሰማይ፣ ተሰርዐ በምድር” ይብል ቅዱስ መፅሓፍ! ዋላ ንግዜኡ ‘ተሰርዐ ብወዲ ሰብ ፣ ተሰርዐ ብህበይ!’ ኢልና ንጠቐመሉ (ዐ ብ’ዓ/ኣ’ ይነበብ)። ኣብ ዓዲ ህበይ ሓደ ብሄር ካብ ካልእ ብሄር ዝፈላልዩ መለከዒታት ኣለዉ። ብዓሌትን ብጂኦግራፊን ፣ ብበዝሕን ብባህርን ከምኡ እውን ብመልክዕን ተኽለ-ሰውነትን!

ብዙሕ ግዘ ህበይ ብቶም እትነብረሎም ከባቢታት እያ ትፅዋዕ። ኣብነት ህበይ ሕጉም ብርዳ ፣ ህበይ ጋራ ፣ ህበይ ስሉሕ ፣ ህበይ ሰሜን (ጭላዳ)፣ ወዘተ። ልክዕ ከም ህንዳዊ መልክዐይና ፣ ብዓል  ልሙፅን ፀሊምን ፀጉሪ ፣ ከም  ቻይናዊ  ኣፍንጫ ጠበቕን ዓይኒ ግምልን ፣ ከም ጋምቤላዊ ድማ ትዅሪርን   ርእሲ ጐንዶን  ወዘተ ከም ማለት እዩ። እግረ መገደይ ፣ ጐንዶ ማለት እንታይ ምዃኑ ከብርህ። ሙልሙል ዝበለ ሱር ሕፅሕፅ (ሰቲ መሰል ሳዕሪ) ኮይኑ ኣዴታት ኣብ መቑሎ ቓልየን ወቒጠን ምስ ኣደስን ቀጠናዮን ሓዋዊሰን፣ ንጨና-መና ዝጥቀማሉ ማለፍያ ባህላዊ መጋየፂ እዩ።

“ዓዲ ኣለኒ በለት ህበይ ጋራ!”

ህበይ ጋራ ኣብ ሃሩር በረኻታት ደንክል እያ ትነብር።  ብ የመና ሃልሃልታ ፀሓይ ፀጉሪ ዝብሃል ንሽሙ ዘይብላ፣ ሙሉእ ብሙሉእ ኸንቲታ  ዘርገፈት ኩሉ ነብሳ ናብ ማንዳ(Desert) ዝቐየረት እያ ይብልዋ ኣርሆቶት። ልክዕ ከም በረኻታት ረገድ ፀጉረ-ቆርበታ እውን ናብ ረገድ ዝተቐየረ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ከም ልባ እውን ዝብላዕን ዝስተን ስለ ዘይትረክብ ብ ጥሜት እናተፈሓሰት እያ እትነብር። ቀደም ያ እዩ ወለዲ ብቲ ሕሱም ናብራኣ የመና ሓዚኖም፣ እንታይ ገበረት ኣብዚ ኣብ ሓሳረ መከራ እትነበር? ናብ ዝብላዕን ዝስተን ዘለዎ ቦታ ኮብኲብና ዘይነደይባ ኢሎም። ናብ ደጉዓታት ገማግም ኣፅበደራን ወንበርታን (ዴስኣ) ኣውፂኦምዋ። ክትበልዕ ክትሰትይ፣ ብሓፈሻ ካብቲ ሕሱም ናብራ ክትገላገል፣ ከም ሃገራ ፀግሩን ልባብን ክተብቁል፣ ካብ ዝብል ሓልዮት እዩ ነይሩ።  እነ ቆፀለመፅሊ፣ እነ ሱራምርን ፍራምረን፣ እነ ሸዊትን-መዊትን ከም ልባ ረኺባ።

ኮይኑ ግና ብልዕ ውዒላ ጉሽጉሻኣ ምስ መልአት ምሸት ንምሸቱ ቁልቁል ርእሳ ንኣርሆ ገፃ ሃደመት ይብሃል። ናብ ዓደ-‘ኣቦኣ እዩ! ዓደ-‘ቦ ቀታሊ!  “ዓዲ ኣለኒ በለት ህበይ ጋራ!” እኮ ተባሂሉ። ኣብዚ ንህበይ ጋራ ከልዕላ ዝደለኹ ፣ ልክዕ ከም ነገደ እስራኤል ወይ ነገደ ሞኣብ ሓደ ብሄረ ህበይ ንምርኣይ እምበር ብዛዕባ ህበይ ጋራ ክፅሕፍ ደልየ ኣይኮነን። ካባይ ንላዕሊ ደቂ ቆላ ትግራይን (ደንከል)፣ ደቂ ደጉዓ ትግራይን ኣፀቢቖም ይፈልጥዋ። 

ኣብ ሃገረ ህበይ ማሕበረ-ህበያዊ  ተዋረድ ዘለዎን ንፁርን እዩ። ብተባዕታይ ረድፊ እንተመፂእና ጋውና ፣ ከረፈይቶ ፣ ቓውጫ እንትኸውን፥ ብወገን ኣንእስታይ ድማ ዋበል ፣ ኣን እስተይቲ ከረፈይቶን ኣን እስተይቲ ቓውጫን ኢልና ነቕምጥ። እቲ ስያመ ከከም ከባቢኡ ክፈላለይ ከም ዝኽእል ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ብሄር ብዙሓት ጋዋኑ (ጋውናታት) ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ጋዋኑ ጀነራላት እቲ ብሄር ተገይሮም ክውሰዱ ይኽእሉ፣ ወይ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ብሄር። ስርዓተ ዲሞክራሲ ኣብ ዘይተኸለ ሃገር ጅነራል ኮነ  ፖለቲካዊ መራሒ ሓደ እዩ። ስለ ዝኾነ እየ “ወይ ድማ” እናበልኩ ዝጥቀም ዘለኹ።

 ኣብ እንዳ ህበይ እቲ ኣዐርዩ ካብ ኩሎም ዝዓርጠመ እዩ ኢታማጆር ሹም ወይ ፕረዚደንት እቲ ብሄር ዝኸውን። ዋላኳ እቲ ዋና ኣዛዚ ካብ ኩሎም ዝበለፀ ነፃነትን ሓለፋታትን (privileges) እንተሃለዎ ፣ ኩሎም ጋዋኑ ኣብ ዘዘመሓድርዎም ዞባታት ፈለፅቲ ቆረፅቲ እዮም። ነፃነት ክብሃል ከሎ ፣  ብዓይነትን ብመጠንን ቀዲሙ ዝብላዕን ዝስተን ፣ ከምኡ እውን ዝመረፃ ኣን እስተይቲ ይውሸም ወይ ይጋሰስ ማለት እምበር ፣  ካልእ ዝሓሸ ዝማዕበለ ከባቢን መሰረተ-ልምዓትን ይውንን ማለት ኣይኮነን። ንሱ ክሳብ ሕዚ ኣብ ብሄረ ህበይ ኣይትሓሰበን።

ጋውና ርእሲ ስለ ዘይብሉ ካብ ህዝቡ ዝተፈለየ ውፅእ ዝበለ (advanced)፣ መዕየዪ ረቑሓ (enabling factor) ክረክብ ኣይኽእልን። ርእሲ የብሉን ክብሃል ከሎ ፈለማ ብመጠኑ እዩ። ጋውና ካብ ሽክና ርእሱ ብዝበለፀ ኣፉን ሸንፈፉን ጎሊሆም ይርኣዩ። ሓፈሻዊ ልዕሊ ካሳዱ ዘለዉ ዝርዝር ኣካላት ክተመዛዝን ከለኻ፣ ሓንጎሉ ኣበየናይ ሸነኽ ከም ዘሎ ንምግማቱ መፀገሚ እዩ። ግዝፈት ኣፉን ሸንፈፉን ምስ ሽክና ርእሱ ክተወዳድር ከለኻ፣ ገለ ተሸሊቱ ዝተደርበየ ኣካልዶ ይነብሮ ይኸውን ኢልካ ክትሓስብ ይገብረካ። ርእሲ እንተዘይብሉ ድኣ… ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ዋላ ሓደ ዘሻሚ ነገር የለን። በትረ ስልጣን ብቕልፅምካ እዩ።  ብምዃኑ ስርዓተ-ፖለቲካ ብሄረ ህዝበይ ፣ ንዲሞክራስን ውድባዊ ፖለቲካን (party politics) ዒፈል ከም ዝኾነ ጌርኩም ውሰድዎ።

ስለ ዝኾነ ኣብቲ ብሄር ብቕልፅሙ ናብ ቅድሚት ክመፅእን ኣብ ቆራፃይ ፈላፃይነት ክነብርን ዝደሊ እምበር ንመፃኢ ሓሲቡ ዝሰርሕ ኣካል የለን። ብሄራዊ ዕላማ ዝብሃል ነገር የለን ማለት እዩ፣ ብሰውኛ ኣዘራርባ። ሰለስተ ነገራት ጥራይ እዩ ዝሰርሕ እቲ ብሄር። ካብ መሕደሪኡ ተበጊሱ ዝብላዕ ናብ ዘለዎ ይወፍር (ከም ብሄር)። ዝርካቡ ብልዕ ውዒሉ ማይ ናብ ዘለዎ ከይዱ ይሰቲ (ከም ብሄር)፣ መሊሱ ድማ መሬት እንትመሲ ናብ መሕደሪኡ ይኸይድ (ከም ብሄር)።  ኣብ መሕደሪኡ ከይዱ ፣ ኣምላኽ መሕደሪኻ ኢሉ ዝሃቦ በዓቲን ገደልን ግርምቢጥ እቲ ገደል ንገዛእ ርእሱ ከይወድቕ ንቲ ገደል ደጊፉ እናተማህለለ ይሓድር።

ከከም ኩነታቱ ንኣለሻ ምግቢ ርሑቕ እንትኸይድ ድማ ኣብ ዝመሰዮ ኣብ በዓቲ ይኹን ኣብ ዓበይቲ ገረባት ተኣኪቡ ተንጠላጢሉ ክሓድር ወይ ክቕንይ ይኽእል። ልክዕ ከምቲ ዘመንኛ ተመዛባሊ (IDPs) ወይ  ስደተኛ (refugee) ዓይነት!  ብሄረ ሃገረ ህበይ እየ ዝብል ዘለኹ!

ኣብ ዓዲ ህበይ እንዳውነትን ቀቢላዊነት ዝብሃል ነገር የለን። ኣይኮነንዶ ንዋታዊ ብዓቲ ኮነ ዝብላዕ ዝስተ ሓዳር ውን ናይ ሓባር ዝኾነሉ ብሄር እዩ።  ምናልባት ትርጉም ብሄር ፣ ብሄረ ሃገር፣ ብሄረ መንግስቲ ፣  ሃገር ወይ ብዛዕባ ብሄራውነት ወይ  ሃገራውነት/Nationalism/ ወይ ድማ ካልኦት ተዛመድቲ ኣምራት ፣ ዝበሉ ቴክኒካል ቃላት  እንተሓዋዊሰ ፣ መፅሓፍ Rogers Brubaker “Nationalism Reframed” ፣ መፅሓፍ Ernest Gellner “Nations and Nationalism”፣ መፅሓፍ Benedict Anderson “Imagined Communities” ፣ መፅሓፍ Yael Tamir “Why Nationalism” ፣  መፅሓፍ Yoram Hazony “The virtue of Nationalism” ወዘተ ኣንቢብኩም ክትእርሙኒ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ብሄረ ህበይ ስልጣን ‘እንደ ወረደ’ እዩ። ብሓይልኻ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ነገር የብሉን። ትልምን ራእይን ስለ ዘየለ ናብራ እውን ዝንተ ዕለት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ እያ። ካብ ፅፍሪ ናብ ኣፍ እንተተብሃለ ይቐልል። ኩሉ ነገር ኩዒትካን ፃሕቲርካን ወይ ልሒፅካን ሸምጢጥኻን እዩ ዝንበር።

ጆርጅ ኦርዌል ‘Animal Farm’ ዝብል ቄንጤኛ ልቢ ወለድ መፅሓፉ ክፅሕፍ ከሎ ፣ ንምንታይ እዩ ብሄረ ህበይ ናብ ሓንጎሉ ቀዲሙ’ባ ዘይመፀሉ ኢለ ብዙሕ ግዘ ይሓስብ እየ። ዝበፃሕኽዎ መደምደምታ፣ ኦርዌል ንብሄረ ህበይ  ረሲዕዎ ወይ ናብ ሓንጎሉ ስለ ዘይመፀሉ ኣይኮነን።  ከም እምነተይ ፣ ኣብ ሃገረ ህበይ ንኦልድ ማጆር ዝመስል ርሑቕ ዝኣመትኡ ሽማግለ ፣ ንስኖው ቦል ዝመስል በሊሕ ፣ ፈላጥ ፣ ተዓፃፃፋይን ተባላሓታይን መንእሰይ፣ ንናፖልዮን ዝመስል ዝተሓላለኸ ርእሲ ዘለዎ መላኺ (ዲክታተር) ፣ መታለልን በለፀኛን ግን ድማ መእመኒን ወዳቢን ርእሰ ብሄር (ብሄረ ሕርሻ እንስሳት) ረኺቡ ፣ ንዮሃንስ (John) ዝብሃል ፅጋበኛን ግፍዐኛን ብዓል ሃፍቲ ብስሙር ቃልሲ እንስሳት ካብ ዋንነቱን ምዝመዝኡን ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ  ዘኽእሎ ገፀ ባህሪ ኣብ እንዳ ህበይ ስለ ዝሰኣነ እዩ ኢለ ሓሲበ።

ፀፅታን ድሕንነትን

ጋውና ሓላፊ ወይ ርእሰ ብሄር ክንሱ ኩሉ ነገር ብዓይኒ ድሕንነት ዓርሱ ጥራይ እዩ ንኹሉ ነገር ዝግደስ። ልክዕ ከም ናፖልዮንን ስኖው ቦልን ብስሙር ውዳበ ሓንሳብን ንሓዋሩን ፀላእቱ ኣላሽ ኣቢሉ፣ ካብ ግዝኣቱ ከርሕቕ እንዶ ኾነ ኣንቅዶት የብሉን። ከልቢ ወይ ዓርዓር ነብሪ ኣብ ጥቓኡ መፂኡ እንተዘይ ነቢሑ፣ ቓውጫ ወይ ከረፈይቶ ክሳብ ዘይሓነቐ ፣ ካብኡ ብ100-300 ሜትሮ ርሒቓ ፣ ኣውያት ርድኡኒ እተስምዕ ዋበል ትኹን፣ ቓውጫ ብዙሕ ዝግድሶ ኣይኮነን።

ብተመሳሳሊ ብዓብይኡ ንከም ዓፀባን ለበዳን ዝበሉ ብሄራዊ ሓደጋታት ውን ጉዳዩ ኣይኮነን። ንዕኡ ዘገድሶ ፣ ብዓፀበን ቀለለን ቀቅድሚቱ ክኸይድ ዝደፍር ተባዕታይ ከረፈይቶ ወይ እውን ካልእ ጋውና ፣ ወይ  ድማ ብድፍረት ናብ ባዕሉ ጠጒጉ ዝመፅእ ብርቱዕ ከልቢ ወይ ጓሳ! ንሱ  የመና የናደዶ።ብዙሕ ግዘ ዝናደደሎም ግዝያት እውን ኣብቶም ሓደ ግዘ ዝተናደደሎም ቦታታትን ከም ኣጋጣሚ ዝተናደደሎም ኩነታትን ጥራይ እዩ። ኣብ ሓዱሽ ቦታ ወይ ሓዱሽ ኩነት ሓዱሽ ተጓንፎ ክገጥመኒ ይኽእል እዩ ኢሉ ኣይሓስብን። ብሓፂሩ ኣይግምትን ኣይእምትን። ኣብነት ቀትሪ እቲ ብሄር ምስ ነበሪ ጎፍ ንጎፍ  እንተተራኺቡ ኩሎም ጀነራላት ከምቲ ወዲ ሰብ ዋልታን ጭማራን ወዲሩ ረቢቡ ዝዋጋእ፣ ንሶም እውን ፍልልያቶም ንጎኒ ገዲፎም ንኣባፅሕን ከረፈይቶታትን ብድሕሪቶም ኣኸቲሎም፣ ዋላ እቶም ኣናብር ብዙሓት ይኹኑ ኣሰር መሰደሮም ከጥፍእዎም ይኽእሉ እዮም። ነብብሪ ብዝኾነ ትኣምር ቀትሪ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ህበይ ደው ክብል ዓቕሚ የብሉን። ብኣንፃሩ እቲ ብሄር ኣብ ዝሓድረሉ ብዓቲ ፣ ዋላ ሓደ ነብሪ ብሕቱ (single)  ኣፀልሚቱ እንተኣትዩ እቶም ጋዋኑ እውን ከይተረፈ ከም ሃገሮም ምስታ ዋበልን ቓውጫን ከእውዩ እዮም ዝሓድሩ። ሓደ በይኑ ሕምስ  ይሓድሮም።

ማሕበረ-ኢኮኖሚ!

ኣንእስተይቲ ከረፈይቶ ኣብ ሞት ኣቦኣ (ዋላ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንበሎ) ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ኣልቂሳ ይብሃል፦

ኣታ ኣቦይ ዲኻ ኣቦይ ዲኻ፣

ግራት ህኩይ መልዕሎኻ፣

ግራት ህርኩት ፈረቓኻ!

እቲ ኣዛዚ ናብ ዝሸወየ (ዝሸወተ፣ዝበሰለ) እኽሊ ገስጊሱ እዩ ዝወርድ። ወይ ድማ ኣራፊዱ እንተወሪዱ እውን ካብቲ ዕስለ ቁሩብ ፈንተት ኢሉ ድምፁ ኣጥፊኡ ብምኻድ ቀዲሙ ክበፅሕን ክበልዕን ኣለዎ። እቶም ካልኦት ጋዋኑ ካብኡ ቁሩብ ድሕር ኢሎም ነኒሕድሕድኦም ስለ ዘይተኣማመኑ፣ ጎኒ ንጎኒ ረቢቦም ንቲ ዕስለ ኣኸቲሎም እናሓምሐሙ እዮም ዝጉዓዙ። ልክዕ ከምቶም ማዕረ ዓቕሚ ዘለዎም ተባእስቲ ፣ እናተላኸፉ ዝጉዓዙ ማለት እዩ።

ብድሕሪኦም ኣወዳት ከረፈይቶታት ልክዕ ናታቶም ምስሊ ሒዞም ይቅፅሉ። ቀፂለን ዋበላትን ኣጓላት ክረፈይሮታትን ተኣኪበን ይስዕባ። እተን ኣዴታት ንደቀን ከከም ዕድሚኦም ገሊኦም ኣብ ጓጓአን ንገሊኦም ድማ ኣብ ሑቖአን ወይ ኣብ ከባቢ ጎሎአን ሓዚለን ይጉዓዛ። እቶም ኣወዳት ሸምጢጦምን ኩዒቶምን ንኣፎም ክበልዑ ከለዉ፣ እተን ኣዴታት ግን ንባዕለንን ንደቀንን ናይ ምምጋብ ድርብርብ ሓላፍነት ኣለወን። እዚ ኣብ ህድማ እውን ብተመሳሳሊ ሓዚለን እየን ከምልጣ ዘለዎን። ብሓቂ ማዕርነት ደቂ ኣንእስትዮ ካብ ዝተሃሰየሎም ብሄራት ኣሎ እንተተባሂሉ እቲ ሓደ ብሄረ ህበይ እዩ።

እቲ ዕስለ ክሳብ ዘርክብ ቀዲሙ ናብ ዝብላዕ ዝበፅሐ ዋና ሓላፊ ፣ ኹሊቱ ክሳብ ዝነቱግ ፀጊቡ ይፀንሕ። በቢ ደረጅኡ እቶም ካልኦት ጋዋኑ እውን ከምኡ። ሓፋሽ ጥምየቱ ከዐግስ ጣሕመስመስ ክብል ከሎ፣ ንሱ ጎተንኡ ሰንቲሩ ኣብ ዝባን እምኒ ወፂኡ ፅሓይ እዩ ዝፅለው። ከም ኣጋጣሚ ሓላዊ እኽሊ ወይ ገለ ዝርብሽ እንተዘይመፂኡ እቲ ዕስለ እውን በሊዑ ዓጎፍ ከብል ይኽእል እዩ።

እቲ ዋና ኣዛዚ ብማዕዶ ብሕብሩን ብተኽለ ሰብነቱን እዩ ዝፍለጥ። አረ ገገሊኦምስ ግኑናት ካብ ምዃኖም ዝተልዓለ ብቲ ብሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ እውን መፀውዒ ሽም ኣለዎም። ኣብቲ ከባቢና ካብ ዝዝክሮም ሓደ የመና ህልኸኛ “ጓንዴ” ዝብሃል ጋውና ነይሩ። ምስ ሓረስታይ ተባኢሱ ልስኪላ ካብ ገጀሞ ዘምለጠ እዩ! ንምንታይ ደኣ ጓንዴ ተባሂሉ ከይትብሉታ፣ እቲ ሓረስታይ ብገጀሞ ሕቑኡ ክጎዝዞ ሓሲቡ፣ እታ ገጀሞ ኣብ ጭርኡ ዓሊባ ፣ ንታ ጭርኡ ኣላሕሲሱ ስለ ዝጎመዳ፣ ጎናድ ጭራ ዘይብሉ ንምባል እዩ ጓንዴ ተባሂሉ።

 ዋና ኣዛዚ መለለይኡ ግዝፈት ተኽለ ሰውነቱ ከምዘሎ ኮይኑ፣ ብዋናነት ኣብ መቐመጭኡ ዘሎ ስፍሓት መላጥን ቅይሕን እዩ። እቲ ቂሕ (ቅይሒ) ኣብ ከባቢ ከናፍሩን ወሰና ወሰን ኣዕንቱን ውን ክርአ ይኽእል። ከከም ዓሌቱ ውፁእ ፀሊም እውን ኣሎ። ናይ ምቾት ምዃኑ ዝፍለጥ ሕፍቲ ዘይብሉ ፣ ልሙፅ ናብ ወይኒ ጠጅ ዘዘምበለ ሰፊሕ ቀይሕ መላጥ ኣካል ኣብ ድሕሪቱ እንትክሰት ንሱ ወይ ንሳቶም ኣዛዚ ወይ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ብሄር እዮም ንብል።  

ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓደ ሰባት ካብ ድቁስን ፍልቕልቕን ብቀጥታ ናብ ደረቕ ጥብስን ዊስክን ተሳጊሮም ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ብቕፅበት  ሕብረ-ቆርበቶም የመና ፅሩይ ፣ ልክዕ ከም ናይ ላዳ ነብሲ  መጉለጮምን ኣፃብዕቶምን የመና ለስሊሱ ጠምቦቕ ጠምቦቕ ዝብል ከም ማለት ገይርና ንውሰዶ። ልነገሩ ሳይንስ ውን “ሰብ ዝብሃል ፍጡር ካብ ህበይ መሰል እንስሳ ብዝግመተ ለውጢ ዝመፅአ እዩ” እዩኮ ዝብል። ምስ ገሌና ዝቐረበ ዝምድና ይህሉ! መን ይፈልጥ?!

ጋውና ዳኛ የብሉን። ገለ ዝማእመአቶ ጓል ተንእስተይቲ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ እዩ ዝውሸም። ኣብ እግሪ እምኒ ፣ ኣብ እግሪ ቆፅሊ ፣ ኣብ እግሪ ዃና ኮታስ ኣብ ዝረኸቦ። ጥራይ ንዓቕመ ግብረ ስጋ ዝበፅሐት ትኹን ንጓሉን ጓል ጓሉን ገደብ የለን። ኣብ እንዳ ህበይ ፣ ልክዕ ከምቲ ሓላፊ ዓመፅቲ ሓይሊታት ኮንጎ ‘Lord resistance Army’ ዝበሎ እዩ። ” when you are a soldier, girls are for free, every thing is for free” ስናዕ ትርጉም “ወታደር እንተኾይንካ  ኣዋልድ ብናፃ እየን፣ ልነገሩ ኩሉ ነገር ብናፃ እዩ” ከምዝበሎ ኣብ እንዳ ህበይ ጀነራል እንተኾይንካ ኩሉ ነገር ብናፃ እዩ። ኣብ ዘዘዋህለሎ ንዓባይ ትኹን ንንኡሽቲይ እናሓለፍካ ምዕባጥ ልሙድ እዩ።

ጋውና ንኣን እስተይቲ ከረፈይቶ ክጋሰሳ ከሎ (“ክጋሰሳ” ክብል ከለኹ ካብ ድሌታ ወፃኢ ብምዃኑ እዩ) ብሓቂ መጨነቕን ዓቕልኻ ዘፅብብን ክስተት እዩ ዝፍጠር።  እትሃድሞ ህድማን እተስምዖ ኣውያትን ኣይኮነን ንባዕላ ንታ ህበይ፣ ንወዲ ሰብ እውን ፣ ብፍላይ ንኣዴታት የመና መሻቐሊ እዩ። ፈለማ ክሕዛ ከጓይያ ከሎ ብየመና ጭንቂ እናእወየት ካብቲ ዝነበረትሉ ግድሚ ወሪዳ፣ ሰብ ናብ ዘለሉ ከባቢ ብፍላይ ኣዴታት ዕንጨይቲ ናብ ዝኣርያሉን ማይ ናብ ዝቐድሓሉን ክትወርድ ትኽእል  እያ። ጭንቂ ዘይገብሮ የለን።

እቲ ጋውና ኩሉ ኩንታታ ስለ ዝፈልጥ ክሳብ ትደክም ዋላ ናብ ሰብ ትፀጋዕ እናጓየየ ከምፅኣ ይኽእል። መቸም ኣዴታትና ርህሩሃት እንድየን፣ እታ ከረፈይቶ ልክዕ ከምሰብ ክተእዊይ ከላ (ሓለሓሊፉ እውን ቀደምያ ህበይ ሰብ እያ ነይራ ዝብል ያታ ስለዘሎ) ህበይ ምዃና ረሲዐን፣ ስረሐን ገዲፈን ክልተ ብርከን ብክልተ ኢደን እናጠፍጠፋ …  ዋይ ዋይ… ቀቲልዋ በሊዕዋ በቃ ጨፍሊቕዋ እናበላ እየን ዝጭነቓ። ንቲ ጋውና’ውን መርገም የዝንባሉ።

እተን ደፋራት ድማ ቅርብ ኢለን በትርን ደንጎላን ብምሓዝ ክገላግላኣ ይፍትና። እንተኾነ እቲ ጓውና ንታ ከረፈይቶ ኣድኪሙ ለቀም ኣቢሉ ሒዙ ምስ ዓበጣ፣ ሓንሳብ ውጭ ኢላ ምስ ኣእወየት ቀልጢፋ እያ ፀጥ እትብል። ኣዴታት በቃ ቀቲልዋ ኢለን ተስፋ ምቑራፅ ክጅምራ ከለዋ ንሱ እውን ወልፉ ምስ ኣዐገሰ ፣ ካብ ጓጓኡ ይሰዳሞ ፈንተት ኢሉ ኮፍ ይብል። ወይ ድማ ብሕቑኡ ወዲቑ ከብዱን ደረቱን ንፅሓይ ሂቡ ይድቅስ።

ወያ እዚ ኩሉ ኣውያት እናስመዐት ኦመ-ደብሩ ተጨንቕ ዝነበረት ሓዳሽ ንቡር ፈታኒት፣ ሓመዳ ነጊፋ ምስ ተሰአት ፈላማይ ስራሓ ኣብ ዝባን እቲ ዝዓመፃ ትሓንጊራ ትደርዞን ትሓኮን፣ ቁማሉ እናቖመለት ምብላዕን እዩ። ንከምዚ ዝበለ ዓይነት ‘ተጓንፎ’ ‘shock doctrine’ ኢላ ትፅውዖ ጋዜጠኛ Naomi klien። ሓያላት (ሃገራት) መመሊሶም ዓሚፆምን ተጋሲሶምን ንቲ ክፉእ ስራሖም ምስ ኣልመዱኻ መሊስካ ንተጋሰስትኻ ክተፍቅር ዝገብሩ ዓይነት እዩ።

እታ ከረፈይቶ ከምኡ ትገብር ዘላ ኣዴኣ ዘፅነሐትላ ንቡር ስለ ዝኾና እምበር፣ ዋላ ሓንቲ ካልእ ትርጉም ኮነ ምኽንያት የብላን። ንቡር ስለ ዘፈተንካኒ ንቡር ይሃብካ፣ ከም ማለት እዩ ታሓንጊራ ዓማፂኣ ትሓክኽን ትቖምልን ዘላ። ሕሰብዎ ሕዚ ዶ ሕዚ ቀተላ ኢለን ክጭነቓ ዝፀንሓ ኣዴታት ዝሓርቀኦ ሕርቓን። ንዕኡ ክረግማ ዝፀንሓ መሊሰን ንዓኣ ኤህ ዕድመኺ ትሕፀር፣ የጥፍእኺ… ድማ መሊሳ ትቖምሎ…?  ክብላ እናተራገማ ናብ ስራሐን ይምለሳ። ኣዴታት ትግራይ ኣብዚ ዓውዲ ልክዕ ከም ማሕበረሰብ ዓለም ገይርኹም ሕሰብዎን። እቶም ካልኦት ጋዋኑ እውን ኣብ ዘዞባኦም ከምኡ እዮም ዝገብሩ።

ቤት ትምህርቲ ካድረ

እቲ ብሄር ሓፈሻዊ ስርዓተ ናብራ ዝወራረሰሉ ከይዲ ትምህርቲ ኣለዎ። እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ግን ገፅ ንገፅ ዝውሃብ ትምህርቲ ዘይኮነስ፣ ገፅ ንመቐመጫ ዝግበር ፍልይ ዝበለ ካሪኩለም እዩ። ኣብነት ናይ ተባዕታይ ከረፈይቶ ትምህርቲ እንተወሲድና፣ እቲ ጋውና ዝገበራ ኩላ እናሰዓበ ምልምማድ እዩ። ካድረ ስለ ዝኾነ ኣሰር ሓለፍቱ ብጥንቃቐ ከፅንዕ ይግባእ። ፈለማ እቲ ጋውና ዝሸምጠጣ ቆፅሊ ትኹን ፍረ ፣ ንሱ ዝኩዓታ ሕንጉሊጣ ትኹን ሓባጨጎ መሊስካ ምፍታሽን ተረፍ መረፍ ተልዩ እውን ምልቃምን እዩ። ብዙሕ ቅልፅምን ጉልበትን ስለ ዘይብሉ ናይ ባዕሉ ክኹዕት ይፅገም እዩ። ካልእ እቲ ጓውና ዘዝተወሸመን ደድሕሪኡ እናተሓብአ እናጠዓመ ምኻድ እውን ካልእ ናይቲ ስልጠና ሓደ ኣካል እዩ። ጥራይ ፊት ንፊት ከምኣ እናገበረ ክርከብ የብሉን። መቕፃዕቱ ሓያል ስለ ዝኾነ።

ዓፀባን ምግቢ ውሕስናን!

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልፀ፣ ኣብ ብሄረ ህበይ ንፅባሕ ዝብሃል ነገር የለን። ዝኩዓት እምበር ዝትከልን ዝዝራእን ውን የለን።  ኩሉ ነገር ካብ ፅፍሪ ናብ ኣፍ እዩ። እቲይ እኳ ኣዝመራ እንተቐኒዑ፣ መሬት ዓይጊ እንተዕጊላን ጠጥዒ እንተብቊላን።  ተፈጥሮ እንትዘሪይ፣ ኣብቲ ብሄር ዘጋጥም ለበዳን ዓፀባን እዝዩ መስካሕከሒ እዩ። ሕፅረት ምግቢን ማይን እንተጋጥም ፣ ፈለማ ቀዲሞም ዝመፁ ፈተናታት ሓያል ስዓልን ዓበቕን እዮም። ብፍላይ ዓበቕ ንተን ዋበላትን ቃዋጩን ልሕስ እዩ ዘብለን። ዋላ ንቶም ዝሸንገሉ ጋዋኑ ውን እቲ ልሙፅን ንፁህ ቀይሕን ናይ ድሕሪት መላጦም ከም ጉንዲ መቐር ቃረፍረፍ ክሳብ ዝብል እዩ ዘጥቅዖም ። ይሽሕርሙ! መወዳእታ ምኻድ ኣብይዎም ሽሻይ ጓሶትን ኣኽልብትን ገይሩ ንሞት እውን ከብቅዖም ይኽእል እዩ።

 መቸም ህበይ እናሓኸኸት ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ነገር የለን። ፀጉሪ ክሻብ ዝረግፍ ባሕጎር ባሕጎር ምባል ልሙድ እዩ። ኣብ እዋን ዓፀባ ቆልዓን ሽማግለን እናተንጠባጠበ እዩ ዝኸይድ። ጓሶት ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ብሄር ዝወረደ ዓፀባ ኣይኮኑን ዝርድኡ። ህበይ እኽልን ኣጣልን ከም እትበልዕ’ሞ ከም ሓንቲ ታሪካዊት ፀላኢት ተወሲዳ በኽልብትን ኣብትርትን ብዕስለ እያ ትድብደብ። መዋግዒ ዓዲ ይኸውን።

ኣነ ክንድዙይ ህበይ ቀቲለ ኣነኮ ጓውና እየ ቀቲለ ፣ ኣነማ ምስ ቃውጫኣ እየ ቀቲለያ …እናተብሃለ ይዝረብ። ልክዕ ከምቲ ኣብዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዘይዓጠቑን ዓቕመ ደካማታትን ዝካየድ ዘሎ ኢፍትሓዊ ጨፍጫፍ፣ ንኣረጊት ወይ ዝጠመየ ብሓፈሻ ንድኩማን ኣህባይ ዕስለኣዊ ፍርዲ ክወሃብ ትርእይ። ዓበይቲ ዓዲ ንቲ ጉዳይ ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም። ብምዃኑ “ኣንታ እንታይ ገበረት፣ ፈጣሪ እኽለማይ ከልኪልዋ እንዳእዩ? በይዛኻትኹም ግደፍዋ፣ ቁጥዐ ፈጣሪ ከየውርደልና፣ ግደፍዋ ይኣኽላ” ኢሎም ደደቆም ይምዕዱ ዓበይቲ ዓዲ! እንተኾነ እቲ ናብራ ዘበን ይለዋወጥ እምበር መመሊሱ ናብቲ ዝነበሮ ሃዲድ ኣትዩ ካብ ምኽሳቱ ዓዲ ኣይውዕልን።

ኣብዚ ሓደ ነገር ወሲኸ ክዛዝም። ኣብቲ ብሄር ምሕደራ ቅልውላው፣ ፖለቲካ፣ ስነ ቑጠባ፣ ማሕበራዊ ፣ ፀፅታውን ድሕንነታውን ከም ዘሎ ቅቡል እዩ። ንምንታይን ስለ ምንታይን ዝብሉ ሕቶታት ጨለለቃ እዮም ዘይተፈጠሩ። ሕያዋይ ዘበን ምስ ዓፀባ እንትቀያየሩ፣ እቲ ስልቲ ምሕደራ ኣይቕየርን! ሓዱሽ ሸውሃት ምሕደራ ኮነ ጠለብ ካብ መፈጠሩ የለን።

_______________________________

ካሕሳይ ሃይሉ፡ ኣባል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)ን ሓላፊ ክፍሊ ማሕበረ ኢኮኖሚ እቲ ውድብን እዩ። ሪኢቶታትን መትከላትን እዚ ፅሑፍ ነቲ ፀሓፋይ እምበር ነቲ ሚዲያ ኣይውክሉን።

One thought on “ፖለቲካ ብሄረ ህበይ!

Comments are closed.