ኣማኻሪት ድሕነት ፕረዚደንት ሶማልያ ሑሴን ዓሊ ምስ ወኪላት መራሕቲ ትግራይ ኣብ ጁቡቲ ከምዝተራኸቡ ተገሊፁ።
ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይን ዞባዊ ጸጥታን ከም ዝተመያየጡ ውን ንምንጭታት ጠቒሱ ሶማሊ ስታር ፖስት ጸብጺቡ ኣሎ።
ሓዱሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሑሴን ዓሊ ንመሪሕነት እቲ ዓርኪ ነበር ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፎርማጆ ብርግኣት ከም ዝርእዮ ውን ሓቢሩ።
ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሶማልያ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ዝነበረ ሐሰን ሼክ ሞሐመድ 10ይ ፕረዚደንት ሶማልያ ኮይኑ ብምዕዋቱ፤ ዕምሪ ስልጣን ፕሬዝዳንት ሞሐመድ ፎርማጆ ምብቅዑ ይፍለጥ።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ ስሉሳዊ መኣዝን ጥፍኣት ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብይ ኣሕመድን ፎርማጆን ከምዝተበተኸ ይግለፅ።
ዕምሪ ስልጣኑ ኣብቂዑ ዘሎ ሞሐመድ ፎርማጆ ፤ ስሉሳዊ ስምምዕ ጥፍኣት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጎንደር ተፈራሪሞም ናብ ግብሪ ከም ዝቐየሩዎ ኣይርሳዕን።
በቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ጥፍኣት ከኣ 10 ሽሕ ዝኾኑ ሰራዊት ሶማል ኣብ ትግራይ ተሳቲፎም ሰፍ ዘይብል ግፍዕታት ከም ዝፈጸሙ ይዝከር።
ልዕሊ 3 ሽሕ ካብኣቶም ብሰራዊት ትግራይ ዝተደምሲሶም ሶማላውያን ወለዲ ደቅና ዝብል ሕቶ ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።
ናይ ሕጂ መሪሕነት ሶማል ምስ መሪሕነት ትግራይ ዝቐረበ ምሕዝነት ከም ዘለዎ ክግለጽ ምፅንሑ ይዝከር።